2009-12-15 15:26:20

ዓመታዊ በዓል ቅዱሱ ዮሓንስ ዘመስቀል


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅድስቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቅ ተረዛ ዘኣቪላ ናይ ቀርመሌሳውያን ሳእኒ ዘይገብሩ ማኅበር ንኽትምሥርት ዝተሓባረ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል RealAudioMP3 ከምዘብዓለት ተገሊጹ።

ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ናይ ኣስተንትኖን ተመስጦ ሕሊናን ዓቢ ኣብነት ምዃኑ ብኹለን ኣቢያተ ክርስትያን ዝምስከረሉን ዝድነቕን ቅዱስ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ 1542 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ስፐይን ካብ ድኻ ቤተሰብ ከምእተወልደን መላእ ናይ ሕይወት ዘመኑ እግዚኣብሔር ኣብ ምድላይን ምልልይን ኣሚቱ ዝነበረን፣ ዕለት ዕለት ናብኡ ኣብ ምቕራብ እናዓበየን ኣብኡ ጥራሕ ተሪፉን በዚ ኅላዊ’ዚ ተዓብሊሉን ኣብኡ ተዓጽዩን ኣብ ተመስጦ መንፈስ ዝነበረ ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስትያን ማኅደር የረጋግጸልና።

መንፈሳውነት ብግዳማዊ ብዝግለጽ ሥርዓታት ጥራሕ ዝነብር ዘይኮነስ ዓቐበት ደይብካን ድኻምነትካ ተኣሚንካን ነቲ ምቁር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነኸተስተማቕር ነቲ ንሱ ዝወረዶ ጸልማትን፣ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦይ ኣቦይ ዝበሎ መንፈሳዊ ሕይወት ናትካ ጌርካ ምንብር ከምዘድሊ ብቓልን ብሕይወትን ዝመስከረ ዓቢይ ቅዱስ ኢዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ጊዜን ምስ እግዚኣብሔር ውህደት ምግባርን ኣብኡ ምጥሓልን ዝግበር መንፈሳዊ ከይዲ ኣብ ኅላዌ ተፈጥሮ ዘሎ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሓና ኣሠር ዝተኸተለን ንኽንክተሎ ዘተባብዔን ምዃኑን፣ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ናብ ፍጥረት ሰብ ዝጻሓፎ ናይ ፍቕሪ ሰታሪት ኢያ ዝበለን፣ ነዚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ከምልሰሉ ዝተግሄ ቅዱስ ምዃኑ ማኅደር ታሪኽ ቅዱሳን የመልት።








All the contents on this site are copyrighted ©.