2009-12-15 15:23:39

ናይ ሮማ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮ


ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 17 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሮማ ናይ መላእ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎት ዘሰርክ ክሳተፉን RealAudioMP3 ምዕዳን ቀዱስ ኣቦና ክቕበሉን ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፣ ቅድሚ እቲ ርክብ፣ እዞም ተመሃሮ መናብረተ ጥበብ ነዚ ርክብ መቀራረቢ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ናይ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ድንግል ምርያም ናይ ሓባር ናይ ሳልስቲ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ትማሊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝጀመሩ ተረጋጊጹ።

እዚ ናይ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ናይ ሳልስቲ መደብ ጸሎት ብናይ ሥርዓት ኣምልኾን ስነ ሥርዓት ቅዱሳት ሚሥጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ዝመርሕዎ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ናይ ጸሎት መደብ ኣመልኪቶም ኣብ ሮማ ናይ ሉምሳ መንበረ ጥበብ መንፈሳዊ መራሒ ኣባ ፓዎሎ ሞርኩቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓይነት ናይ ጸሎት መደብ ብተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ሮማ ንናይ ጎይታና ኢየኡስ ክርስቶስ ልደት መቀራረቢ ተባሂሉ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ዝካይድ ምዃኑን ለብዘበን ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ናይ ሮማ መናብርተ ጥበብ ምስ ናይ ኣፍሪቃ መናብርተ ጥበብ ዝጀመርኦን ዝፍጸም ዘሎ ምትሕብባር ዝተባብዕ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ፍጹም ጥበብ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ ፍጥረት ሰብ ትምህርቲ ኢዩ ዝቐስም እቲ ጥበብ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዝቕበሎ፣ ናይዚ ሓባሪ ምልክት ድማ እታ ቅድስቲ መንበረ ጥበብ ዝኾነት ናይቲ ፍጹም ጥበብ ሰብ ኮይኑ ናባና ዝወርድ እግዚኣብሔር እኖ ኢያ፣ ተማሃሮ ሓቂ ኣብ ምድላይ ኣብ ዝግበርዎ ጉዕዞ ከተሰንዮምን እዛ ናይቲ ፍጹም ጥበብ ምልክት ዝኾነት መንበረ ጥበብ ቅዱስ ምስሊ እኖና ማርያም ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዑደት ከምእትገብር ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.