2009-12-12 13:40:21

መሰኻኽር ኅላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “እግዚኣብሔር ሎምን፣ ምሳኡን ብዘይ ብኣኡን” ብዝብል ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝግበሩ ሕቶታት ኣማእኪሉ ዝዝቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣውዲቶሪዩም RealAudioMP3 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንትን ምሁራትን ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራንን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝርከብዎም 1500 ተጋባእያን ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣልያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ ንተጋባእያን ብዘቕረብዎ ናይ ሰናይ ዓውደ መጽናዕቲ ጉባኤ መልእክቲ ከምእተከፍተ ክንገር እንከሎ፣ ናብዚ ሎም ዝተፈጸመ ዓውደ መጽናዕት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ንናይ ፍጥረት ሰብ ጉዕዞ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም፣ ናብዚ ብጥልቂ ክርስትያናዊ ዝኾነ ሓቂ ናይ ምድላይ ልዑል ኣድላይነት ዘለዎ ሰብኣዊ ኣብነት ዝደረኾ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ጠቂሶም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝቐርቡ ሕቶታትን እግዚኣብሔራዊ ሕቶታት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ናይ ወዲ ሰብ ትዅል መንፈሳዊ ባህርይ ዕሽሽ እናበለ ሰብ በቲ ዘለዎ ጋድም ርክባቱ ብምግላጽ ዘርእዮ ክብሪ ሰብ ናይ ምንካይን ትሕት ናይ ምባልን እዚ ድማ እቲ ናብቲ ደረት ሰገር ዝኾነ ንመልእልተ ባህርይ ክፉት ምዃን ኣየድልን ኢዩ ብዝብል ተግባር ይምራሕ ከምዘሎን ኣመልኪቶም፣ እዚ ግን ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ንናይ ፍጥረት ሰብ ጉዕዞ ኣገዳሲ ምዃኑ ንመልክት ሓቂ ፈጺሙ ኣይሓኮን ኣይዕብሎን ኢዩ ኢሎም።

እግዚኣብሔርን ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ እምነትን ኣብ ማሕበራውን ውልቃውን መዳይ ዝግለጽ ክንሱ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ግን ብሕታዊ ጉዳይ ገይሩ ጥራሕ ከምዝምልከቶ ኣነጺሮም እዚ ናይ ሮማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስነ ባህሊ ድርገት ዘነቓቕሖ ዓውደ መጽናዕቲ ኣገዳስን እዋናውነት ዘለዎ ኢዩ ኢሎም። እዚ ዓይነት ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዘመንና ሰብ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክኩሕኩሕ ዘነቓቕሖ ውሳጣዊ ባህርይኡ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ገሊጾም፣ ወዲ ሰብ ካብ ኣድማሱ እግዚኣብሔር ክሓክኽ እንከሎ ናይ ምልላይ ድላዩን ኣንፈቱን ከምዝስሕትን ካብዚ ተበጊሱ ድማ ገዛእ ርእሱ ከምዘዕንው ኣረዲኦም፣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር፣ ፍጥረት ሰብ ናብታ ዘይተታልልን ቀቢጽነት እትሓክኽን ኣብታ ብዘይ ፍርሒ ሕይወቱ ዘቑመላ መሠረታ ጽኑዕ ዝኾነ እምንትን ርጉጽነት ዘለዋ ተስፋ ገዛእ ርእሱ ከርህው ከምዝድርኾ ብዑምቀት ከምዘረድኡ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ንጎሆ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶር ሎረንዞ ኦርናጊ ዝተመርሔ ናይ ባህልን ናይ ጽባቔን እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣስተምህሮ ከምዝቐረበ ክንገር እንከሎ፣ በዚ ርእሰ ጉዳይ መሠረት ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ፣ ኣብዚ እምነት ዕሽሽ ዝብልን ከፊላዊ ወይ ድማ ምሉኣውን ግርደት እግዚኣብሔር ዘስፋሕፍሕን ኣግዚኣብሔር የሎን ንዝብል ባህሊ ግቡእ መልሲ ንምሃብ ሥሙርን ጥርንፉን ዝኾነ ስነ ታሪኽ ዓለምን ስነ ኅልውናን ስነ ተመኵሮን መጽናዕቲ ዘንቅሎ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ሓቀይና ባህሊ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ እምነት ዕጹውን ብሕሉፍ ባዕላውነትን ኣኽራርነትን ዝተዓብለለ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ብጹዕ ካርዲናል ስኮላ ኣመልኪቶም፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ሕቶ ምስቲ ቃል ፍቕሪ ክራኸብ ኣለዎ ኢሎም። ቀጺሎም ኣስተምህሮ ዝቕረቡ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ኣሜሪካዊ ሮዠር ስክሩቶን፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ብናይ ክፍኣት ባህልን ብናይ ምርካስ ባህልን ዝተዓብለለ ከምዝመስል ሓቢሮም፣ ናይ ስነ ጥበብ ኣካላትን ገጠምትን ደረስቲ፣ ናይ ስነ ጽባቔ ባህሊ ከነቓቕሑ ሓደራ ከምዝበሉ ክግለጽ እንከሎ፣ ጀርመናዊ ፈላስፋ ሮበርት ስፓአማን ፍጥረት ሰብ ናይ ሕይወቱ ትርጉም ምድላዩ እግዚኣብሔር ከምዘሎ ዘረጋገጽ ባህርይ ኢዩ ኢሎም ተፈጥሮ ሓደ ናይ ኣጋጣሚ ኩነት ዘይኮነስ ኣብ መግኖ ቆዝሞስን መለኮታዊ ፍቓድን ወይ ድማ መልኮታዊ ድላይን ዘሎ ርክብ ማለት ኢዩ። እግዚኣብሔር ንኽንደሊ ዝድርኸና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ምስትውዓል ባህርይን እቲ ኣባና ዘሎ ሕታም ወይ ድማ ኣሠር እግዚኣብሔር ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.