2009-12-10 13:58:29

እዋናዊ ኩነታት ዒራቕ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ባግዳድ ዝተፈጸመ መጠነ ሰፊሕን ከቢድ ሓሙሽተ ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ሕዝባዊ ባይቶ ዒራቅ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ መረጻ ሕጊ ዝቃወም ምዃኑ ናይ ባግዳድ ተሓባባሪ RealAudioMP3 ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ሓሙሽት ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ ዝውረደ ናይ ሞትን መቝሰልትን ሓደጋ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ኣመልኪቶም፣ እቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ናህዳን ዝርከብ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ሕንጻ ዒላማ ዝገበረ ከምዝመስልን ናይ ከለዳውያን ሥርዓት እትኽተል ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርትያን ፓትሪያርክ ሕንጻ ንሓደጋ ከምዘቃልዔን እውን ገሊጾም፣ ዒራቓውያን በቲ ዝወረደ መጥቃዕትን ዝወረደ ሓደጋን ኣዚዮም ክምዝተጎድኡን በቲ ወትሩ ዝርኤ ስእነት ሰላም ሕዝቢ ተስፋ ቆሪጹ ብፍርሒ ተዋሒጡ ዓዲ ሓዲጉ ይስደድ ከምዘሎን ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ኣመልኪቶም፣ መንግሥቲ ሰላምን ደህንነት ውሑስ ንምግባር ብቕዓትን ዓቕሚ እውን ዘለዎ ከምዘይመስልን፣ ኣክንዲ ዴሞክራሲያዊ ክትዕ ብኣጽዋር ዝኣምኑ ናይ ፖለቲካን ሰልፍታትን ዓሌታት ዝዋፍርዎ ጸረ ዒራቅን ዒራቓውያን ውሳኔ ኢዩ ከምዝበሉን ኣብ ዒራቕ ሰላም ክወርድ ምእንቲ ሰላም ኩሉ ክጽሊ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ኣረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.