2009-12-10 17:10:40

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮብዓዊ ሓፈሻዊ አስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ትማሊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ሓዋርያዊ ተልእኾ መንበረ ጴጥሮስ እሙን ዋሕስ ጽሩይ መዝገበ እምነት ከምዝኾነን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክርስቶስ ብሓቂ ከምዘሎን ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ከምህርዎ ዝቀነዩ ሃይማኖተ አበው ትማሊ እውን ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ኣባል መንኮሳን ሲታውያን ናይ ዝነበሩ ሩፐርት በዓል ደወዝ ሕይወትን ትምህርትን ኣብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ ንዝተአከቡ ብአሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተንቲኖም።

ቅዱስነቶም ናይዚ ዓቢይ ሊቅ ሕይወት ኣብ ስብሓትን ክብርን ወዲ ሰብ ዚብል ድርሳኑ ብምምርኳስ ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም፣ “ከምቲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ዚግበር ዝነበረ፣ ሓደ ካብ ውሉድካ ከም ህያብ ንእግዚአብሔር ንምሃብ ንገዳም ዝውፈ ዝነበረ ሩፐርት ገና ሕፃን እንከሎ እዩ ናብ ናይ ቅዱስ ሎረንዞ ኣብ ልየጂ ዝርከብ ገዳም ደቂ አቡነ ቡሩኽ አትዩ፣ ንሕይወትን ትምህርትን ገዳም ፈተዎ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ንምጽናዕን ሥርዓተ አምልኾ ብግቡእ ንምፍጻምን ቋንቋ ላቲን አጽነዔ፣ ቅኑዕ ሕይወት ምንኩስናን ጥቡቅ ምትእስሳር ምስ መንበረ ጴጥሮስን ከአ ፍሉይ መለለዪኡ ነበረ።

ኣብቲ ጊዜ እቲ ቤተ ክርስትያንን መንግሥትን ኣብ ምልባስ ሥልጣን ብርቱዕ ክርክር ነበረ፣ ቤተ ክርስትያን አቡናት እንክትሸይም ካብ ምትእትታው ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ ነጻ ብዝኾነ መንገዲ ክትምራሕ እንክትደሊ ናይቲ ሽዑ ገዛእቲ ግን ብሥልጣን ፖሎቲካን ቍጠባን ተደሪኾም ንሶም ዝደልይዎም አቡናት ብግዲ ክሽየሙሎም ይደልዩ ነበሩ፣ በዚ ከምዚ ድፍኢት ዝተሾሙ አቡን ናይ ልየጂ ነቶም ተአማንነቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገልጹ ዝነበሩ አበምኔት ናይ ገዳም ናብ ማሕዩር አእተውዎም፣ ሩፐርት እዚ ሁከት እዚ ክሳብ ዝዓርፍ ክህነት ምቅባል ኣብዩ ነበረ፣ ዕርቂ ኰይኑ አቡን ናይ ልየጂ ካብ ማሕዩር ምስ ተመልሱ ከአ ክህነት ተቀቢሉ።

ሩፐርት ብሕይወቱን ትምህርቱን ኣብ ቤተ ክርስትያን ክርክር እንተተላዒሉ ንመዝገበ ሃይማኖትን ነጻነት እምነትን መንበረ ጴጥሮስ እሙን ዳኛ ምዃኑ አስተምሂሩ፣ ብሰንኪ እዚ አቅዋም እዚ ብዙሕ ግዜ ጸገም አጓኒፍዎ እዩ፣ ክልተ ጊዜ ገዳም ክገድፍ ተገዲዱ፣ ጸላእቱ ብዝኾነን ዘይኮነን እናከሰሱ ናብ ፍርዲ ከይተረፈ ኣቅሪቦሞ። ብ1120 ዓ.ም ኣበምኔት ናይ ገዳም ደወዝ ኮይኑ ተሸይሙ፣ ብዘይካ ብ1124 ንሮማ ንንግደት ዝኸደሉ ክሳብ ብ1129 ብሞት ካብዛ ዓለም ዝፍለ ኣብቲ ገዳም ነቢሩ።

ሩፐርት ብዙሕ ጽሑፋት ደሪሱ፣ ኣብ ጊዜኡ ንዝተላዕለ ክርክር ቅዱስ ቍርባን ብዝምልከት “ክርስቶስ ብሓቂ ኣብ ቅዱስ ቍርባን አሎ” ክብል እምነት ቤተ ክርስትያንን እምነቱን ብትብዓት ገሊጹን ተኸላኺሉን።

ሎሚ እውን ሓደጋ ናይዚ ክሕደት እዚ የንጸላልወና አሎ፣ ማለት ንቅዱስ ቍርባን ከም ማንም ማእዲ ምትእኽኻብ ገሮም ዝምልከቱ፣ ነቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ካብ ርእስና ተፈሊና ኣብቲ ሕያው ሰውነቱ ክንወሃሃድ እሞ ናብ ሓዲስ ሕይወት ንክመርሓና ኣብ ኢድና ዝሃበና ቅዱስ ቍርባን ብሓቂ ብአካሉ ከምዘሎ ዝዝንግዑ አሎው።

ካልእ ሩፐርት ዘብርሃልና ጉዳይ ከአ “ሕያውነት ከሃሌ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔርን ሕላዌ ናይ ክፍአትን” ብዝምልከት ነቲ ኣብቲ ጊዜቲ “እግዚአብሔር ንሕማቅ ነገር ክፍጸም ከይደልዩ የፍቅድ” ዝብል ጊጉይ ፍልስፍና ብምቅዋም፣ ሕያውነት እግዚአብሔር ዝገልጽ ሓቂ ማለት እግዚአብሔር ፍጹም ሕያዋይ ስለዝኾነ ሕማቅ ነገር ክደሊ ኣይክእልን ካብ ዝብል ሥነ መጎት ነቂሉ፣ ምንጪ ክፍአት ኣብ ሰብ እዩ፣ እዚ ከአ ወዲ ሰብ ንዝተዋህቦ ነጻነት ብግጉይ መንገዲ ክጥቀመሉ ከሎ እዩ ይብል፣ በዚ ኸስ ሩፐርት ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ሓጢኣተኛ ሰብ ዘለዎ መጠን ዘይብሉ ምሕረትን ትዕግሥትን ፍቅርን ይውድስ።

ከምቶም ኣብ ጊዜኡ ዝነበሩ መማህራን ንባበ መለኮት ሩፐርት እውን ንምሥጢረ ሥጋዌ ዓንዲ ማእከል ድሕነት ደቂ ሰባት ብምግባር ክርስቶስ ዝማእከሉ ታሪኽ ድሕነት ኣብታ ክፍሪ ቅድስት ሥላሴ እትብል ድርሳኑ ገሊጽዎ ይርከብ። ምሥጢረ ሥጋዌ ኃጢኣት ኣዳም ብዘየገድስ ፍጥረት ኩሉ ንእግዚአብሔር ክሳብ ዘመስግንን ከም ሓንቲ ሥድራ ኣብ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ብምእካብ ክሳብ ዘፍቅሮን ካብ ዘለዓለም ኣብ መደብ ኣምላኽ ዝነበረት ናይ ኩሉ ታሪኽን ፍጻሜን ዓንዲ ማእከል እያ ክብል ይገልጻ። ሩፐርት ወትሩ ኣስተምህሮኡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምርኳስ የቅርቦ ስለዝነበረ ክርስቶስ ምንጭን መፈጸምታን ናይ ኩሉ ታሪኽ ምዃኑ ንኽገልጽ ነታ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ተመልኪታ ዘላ ጽንስቲ ሰበይቲ ምስ ታሪኽ ደቂ ሰብ የገናዝቦ፣ ከምቲ ጽንሲ ናብ ምውላድ ገጹ ዝጐዓዝ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከአ ናብ ክርስቶስ እዩ ዝጐዓዝ ይብል።

በዚኸስ ሩፐርት ኣብ ኩሉ ፍጻሜታት ታሪኽ ድሕነት ማለት ካብ ፍጥረት ዓለም ክሳብ መወዳእታ ዓለም ዘደንቅ ውህደት ይረክብ፣ ኩሉ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ሓደ ፍጻሜ ይመርሕ ንሱ ከአ እቲ መለኮታዊ ቃል እዩ፣ ክብል ይገልጾ።

ካልእ ንሩፐርት ካብ አበው ዝፈልዮ ነታ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተመልኪታ ዘላ መርዓት ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘዛመዳ ቀዳማይ ጸሓፊ እዩ፣ እዚ ትርጉም እዚ ዘደስት ኣብነት ናይ ሥርዓተ ኣምልኾን ንባበ መለኮትን ውህደት እዩ፣ ንሩፐርት ድንግል ማርያም እታ ኣዝያ ዝተቀደሰት ክፍሊ ቤተ ክርስትያን እያ፣” ድሕሪ ምባል ኣብ በዓለ ጽንሰታ ንጽሕት ድንግል ማርያም ብምምላስ ንነጋድያን ነዚ ዚስዕብ ለበዋ ሂቦም፣ “ትማሊ ዘብዓልናዮ በዓለ ፅንሰታ፣ ኣብ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር ናይ ንጽሕት ድንግል ማርያም ፍሉይ ተወፋይነትን እጃምን የዘኻኽረና፣ ፍቁራት መንእሰያት፣ ኣብ ኢድ እቲ ብአኹም ከይተረፈ ዓበይቲ ነገራት ክገብር ዝደሊ እግዚአብሔር ብምውፋይ ብንጹሕን ጽሩይን ልቢ ንኣኣ ክትመስሉ ጸዓሩ” ቢሎም ምስጋናን ሓዋርያዊ ቡራኬን ብምልጋስ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.