2009-12-10 13:59:50

ብፁዓን ኣቡናት ናይ ሓገራት ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት


ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ናይ ቅድስት መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዋና ጽሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ቸፐዳ ናይ ኮንጎን ርዋንዳን ብሩንዲን ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተሓቢሩ RealAudioMP3 ። ኣብዚ ርክብ ብፁዕ ኣቡነ ቸፐዳ እዚ ከባቢ ዓበይቲ ቐላያት ምስ ር.ሊ.ጳ. ዮሕስንስ መበል 23ን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጵውሎስ ቀዳማይን ምስ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማ ሽም ዝተተሓሓዘን፣ ብሕፍሊ ድማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢ ርክብ ዘለዎ ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ናይዚ ከባቢ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እተብዕሎ ዘላ ዓመት ኢዮቤል ምኽንያት ዘካይድዎ ርክብ፣ ቤተ ክርስትያንን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብዚ ከባቢ ሰላምን ምርግጋእ ክረጋገጽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበር ብዙሕ ከምዝጸዓሩን ከምዝጸለዩን ሓልዮቶም ከምዘርኣዩን ብፁዕ ኣቡነ ቸፐዳ ዘኪሮም፣ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ሰብ ብብርሃን ክትንከፍ ቀረባ ኮይና ብሓቂ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሓ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ፍቕሪ ሕንጸት ከምእተቕርብ ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.