2009-12-08 12:28:47

ዓለም ካብ ሓደገይና ነታጒ ናጻ ክኸውን


ርዋንዳ ዛምቢያ ኣልባኒያን ግሪክ ካብ ሓደገይና ነታጒ ናጻ ከምዝኾና ኣብ ኮሎምቢያ ካርታጀና ናይ ኦታዋ ናይ ጸረ ሓደገይና ነታጒ ውዕሊ መሠረት ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ RealAudioMP3 ክምእተረጋገጸ ተሓቢሩ።

እዚ ጸረ ሰብ ሓደገይና ነታጒ ካብ መላእ ዓለም ጠሪሹ ንምውጋድ ዝገብር ጻዕሪ እንታይ ከምዝመስል እዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ካርታጄና ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ እንከመልክት ኣብዚ ዋዕላ ዝተበጽሔ ውሳኔ 120 ሓገራት ከምዝፈረማሉን ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት መልእ ዓለም ካብዚ ሓደገይና ጸረ ሰብ ነታጒ ናጻ ንምግባር ዘሎ ድላይ ተገሉጹን እዚ ንምርግጋጽ ሃገራት ዓለም ብምትሕብባር ክዓያ ምዃነን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። እዚ ሓደገይና ጸረ ሰብ ነታጒ ብብዙሒ ኣብ ውሽጢ መሬተን ዝተቐብረለን ሃገራት ካብዚ ሓደጋ ናጻ ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣድማዒ ውጻኢት ይሕብ ከምዘሎ ናይ ጸረ ነታጒ ወፈራ ኣመሓዳሪት ስይልቪየ ብሪጎት ሓቢረን እቶም በዚ ተፈንጃሪ ቦምቢ ዝተጎድኡን ዝሰንከሉን መነባብርኦም ንኽመርሑ ዝወሃብ ደገፍ እወታዊ ምዃኑ ክምዝሓበራ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

እቲ ናይ ጸረ ሰብ ሓደገይና ነታጒ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ዝተበጽሔ ውዕሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምትሕብባር ሃገራት ወሳኒ ምዃኑ ብሪጎት ሓቢረን፣ ናይ ኦታዋ ውዕሊ 156 ሓገራት ጥራሕ ከምዝፈረማሉን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ቻይና ህንድን ሩሲያን ፓኪስታን ክሳብ ሕጂ ክታመን ከምዘየንበራሉ ከምዝሓበራ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.