2009-12-08 12:27:43

ዒራቕ፣ ሓድሽ ሕዝባዊ መረጻ ሕጊ


ኣብ ዒራቕ ሕጂ እውን ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ዝፍጸድም እውን እንተኾነ መንግሥቲ ዒራቕ ናብ ዴሞክራስን ምርግጋእን ዝገብሮ ጻዕሪ እወንታዊ ውጽኢት ከምዘለዎ ይንገር። ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከባቢ ሺዓውያን እስላም፣ RealAudioMP3 ከተማ ሳድር ብዝተተኮሰ ቦምቢ ምኽንያት ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ እንክንገር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢራቕ ናይ መንግሥቲ ናይ ቴሌቪዥን መደብር ዕለት 27 ለካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ መረጻ ክካየድ ምዃኑ ከምዘፍለጠ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግሥቲ ዝሓንጸጾ ሓድሽ ናይ ሕዝባዊ መረጻ ሕጊ ኣመልኪቶም ናይ ኪርኩክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ሓድሽ ናይ ሕዝባዊ መረጻ ሕጊ እወንታውን ኣብዛ ሃገር ናይ ዴሞክራሲ ሥርዓት መሠረት ዘትሕዝ ኢዩ ኢሎም፣ ኣብ ናይዛ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ 5 ናይ ክርስትና እምነት ዝኽተሉ ክምረጹ ምዃኖምን ከምዘመልእክትን እዚ ድማ ጽቡቕ ናይ ዴሞክራሲያዊ ስጉምት ኢዩ፣ እንተኾነ ግን እቶም ነዚ ሓላፍነት ክምረጹ ዝቐርቡ ክርስትያን ኣባላት ማሕበረሰብ ዒራቕ ብቕዓቶምን ካብ ዝኾነ ይኹን ጸቕጢ ናጻ ዝኾኑን ናይ ዒራቕ ክርስትያን ማኅበረሰብ ድላይ ዘንጸባርቑ እምበር ናይ ብዙኃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ግዙኣት ክኾኑ የብሎምን ኢሎም።

ውሁዳው እውን እንተኾኑ ብቕዓት ዘለዎም ናይ ፖሊቲካ ኣካላት እንተድኣ ኮይኖም ብሓቕ እወንታዊ ውጽኢት ከረጋገጹ ይኽእሉ ኢዮም፣ ብዙሓት ናይ መላእ ሕዝቢ ዒራቕ ድላይ ዘንጸባርቑን ንናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዝዓዩ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣለዉ ኢዮም፣ ብዙሓት በላሕቲ ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ማኅበርሰብ ክርስትያን ዒራቕ ኣብ ስደት ከምዝርከቡ ገሊጾም፣ ኣንተኾነ ግን ሕጂ እውን ብቕዓቶም ዘመስከሩ ናይ ክርስትና እምነት ሰዓብቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣለዉ፣ ንምርጫ ክቐርቡን ገዛእ ርእሶም ከላልዩ ግን ብሓቂ ሕጂ እውን ንሕይወቶም ይፈርሑ ኢዩም፣ ስለዚህ ናይ ደሕንነት ውሕስነት የድልዮም ኢሎም፣ ካልኦት ዋላ’ኳ ክርስትያን እንተኾኑ ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ብቕዓት ትሑት ብምዃኑ ምረጹኒ ቢሎም ገዛእ ርእሶም ከላልዩ ብዙሕ ንሕይወቶም ዘስግኦም ኣይኮነን ቢሎም፣ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ስንኩፍ ኩነታትን ኩሉ ዒራቓዊ ዘይስሕቶ ኢዩ፣ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት መሰጋገሪ ደኣ እምበር ንሓዋሩ ዝተርፍ ኣይኮነን፣ ስለዚህ ናይ ዒራቕ ናይ መጻኢ ኩነት ወሳኒ እቲ ዝቐውም መንግሥቲ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.