2009-12-01 13:25:43

ኬፕቨርድ


ናይ ፔፕ ቨርድ ሕገ መንግሥቲ ንምሕዳስ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ብዙኃን ፖሊቲካ ሰልፍን ተቓዋሚ ናይ ውሁዳን ናይ ፖለቲካ ሰልፍ ድሕሪ 11 ወርሒ ነታ ሓገር ናብ ዓቢይ ውሽጣዊ ሁከት ከእትዋ RealAudioMP3 ኢዩ ተባሂሉ ተፈሪሑሉ ዝነበረ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ክትዓትን ምግርጫዋትን ብምስጋር ኣብ ሓደ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ተሓቢሩ።

እቲ ናይታ ሓገር ሕገ መንግሥቲ ንምሕዳስ ብናይ ሓባር ስምምዕ ዝተነድፈ ሰነድ ምይይጥ ክብገረሉ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ዕለት 9 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ብሕዝባዊ ጉባኤ ክጸድቕ ምዃኑ እቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ነጻነት ኬፕ ቨርድ ናይ ፖለቲካ ሰልፍን እቲ ተቓዋሚ ዴሞክራሲያዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ብዝሃብዎ ናይ ሓባር መገልጺ ከምዘመልከቶን እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ዓወት ናይ ኬፕቨርድ ሕዝቢ ኢዩ ከምዝበሉ ኣፒክ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.