2009-12-01 13:23:42

ኣብ ዳርፉር ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ


ኣብ ኣፍሪካ ከባቢ ደቡባዊ ሰሃራ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሱዳን ዳርፉር ሰላም ንምርግጋጽ ዝገበር ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ብዝፍጠሩ ዓመጻትን ብዝቀላቐሉ ውጥረታት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 ናይ ካርቱም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጋብሬል ዙበይር ዋኮ ቤተ ክርስትያን ሐዋርያዊ ኣገልግሎታ ብምቕጻልን ወንጌል ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸሚዳ ክርስትያናውን ሰብኣውን ምስክርነት ከምእትህብ ገሊጾም፣ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ተዋሳኢት ጥራሕ ዘይኮነት ናይ ሰላም ባህሊ ብምስፍሕፋሕ ኩሉ ሰላም ኣብ ምሕናጽ ክተግህ ከምእተተባብዕ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መንጎ መግንሥቲ ሱዳንን ናይ ደቡባዊ ሱዳን ናይ ናጽነት ግንባርን ምንቅስቃሳትን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ሕዝባዊ መረጻን ቀጺሉ ኣብ 2011 ዓ.ም. ድማ እቲ ደቡባዊ ከባቢ ሱዳን ነጻነት ወይ ድማ ምስ ሱዳን ውሁድ ኮይኑ ክተርፍ ሕዝቢ ብድምጺ ከረጋግጾ ዝብል ውሳኔ ዘጠቓለለ ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕ በቲ ዘሎን ብተደጋጋሚ ዝርኤ ዓመጽን ሁከትን ትግባሬኡ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብ ብፁዕ ክርዲናል ዙበይር ዋኮ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ከምዘመልከቶ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዝተከስቱ ግጭታት 50 ሰባት ናይ ሞት ካልኦት ካብ ዕስራ ንላዕሊ ዝግምቱ ድማ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ክፍለጥ እንከሎ፣ ሕዝቢ ሱዳን ውግእ እንታይ ምዃኑ ብቐረባ ዝፈልጦ ብምዃኑ፣ ድላይ ሕድ ሕድ ውግእ ከምዘይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ዙበይር ዋኮ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዳርፉር ካብ 2003 ዓ.ም.ፈ. ንነጀው ኣብ መንጎ ናይ መግንሥቲ ደገፍትን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልን ብዝካየድ ውግእ ዝሳቐ ከባቢ ከምዝኾነ፣ ካርዲናል ዙበይር ዋኮ ሓቢሮም እቶም ናይዚ ከባቢ ሰላም ንምዕቃብ ዝተዋፈሩ ናይ ሕቡራት መንግሥታትን ዓለምን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ዓቃቢ ኃይሊ፣ ንሕዝቢ ካብ ዓመጽን ሁከትን ንምድሓን ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘይገብርን፣ ካብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዳርፉር በተደጋጋሚ ብዝርኤ ዓመጽን ውጥረትን ሕዝቢ ናብ ጫድ ከምዝውሕዝ እውን ኣመልኪቶም፣ ብሓፈሻኡ ካብ መፋርቕ 2006 ዓ.ም.ፈ. ናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዑን ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ስእነት ሰላም ብዝደረኾ ናይ ሰብኣዊ ሽግር ምኽንያት 300 ሺሕ ሕዝቢ ከምእተመዘበለን፣ ኣቲ ውጥረት ናይ ከባቢ መልክዕ እናሓዘ ናብ ምስፍስሕፋሕ ገጹ ዘድሃበ ኢዩ ዝመስል ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.