2009-12-01 13:22:40

ናይ ላቲን ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ


ድኽነት ምግባረ ብልሽውና ዓመጽን ምዝውዋር ኣጽዋር ውግእ ብትብዓት ንምውጋድ ወፈራ ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉዩ ናይ ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 በመበል 14 ሲኖዳዊ ጉባኤኡ ካብ ዕለት 17 ሕዳር ክሳብ ዕለት 18 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ዝዘርግሖ መገልጺ የረጋገጽ።

እዚ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ብፁዓን ጳጳሳትን ፍሉይ ናይ ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሮቪች ብሊቀ መንበርነት ከምዝመርሕዎን እንክንገር፣ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ኣብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ምስቲ ሕያው ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ፣ ናብ ምልዋጥን ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ሓድነትን ምትሕብባርን ንምርግጋጽን፣ ዝመራሕ መገዲ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተኻይዱ ዝነበረ ናይ ላቲን ኣሜሪናን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እዋናውነት ዘለዎ ምዃኑ ከምዘረጋገጸን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝዘርግሖ መገልጺ ይሕብር።

ኣብዚ ብፁዕ ኣቡነ ኤቶሮቪች ዝመርሕዎ ሲኖዶስ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ናይ ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ፣ ሓዲሽ ኪዳን ኣብ ባህሊ ላቲን ኣሜሪካ ምስራጽን ባህሊ ብወንጌል ክስበኽ ዝብልን ከማኡ ድማ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢይ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ሕይወትን ወንጌልን ፈላሊኻ ናይ ምንባር ከይዲ ንምውጋድ እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ኣርእስቲ እውን ከምዝዘተየ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ሕንጸት ኣብ ሥድራ ቤትን ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ካቶሊክ መናብረተ ጥበብን ክረጋገጽን እምነት ኣብ ዕለታዊ ዕዮ ክምስከርን ብመራኸቢ ብዙሓን እውን ክቐርብ ዝብል ውሳኔ ሕጹጽ ትግባሬ ዘድልዮ መደብ ምዃኑ እቲ ሲኖዶስ ኣመልኪቱ።

ኣብዛ ክፍሊ ዓለም ዝርኤ ምዝውዋር ዘደንዝዙ ዕጸዋትን፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ሃብቲ ንምድላብን ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ምውፋርን፣ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዓመጽን ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንናይ ገበን ጉጅለታት ንምስፍሕፋሕን ናይ ጸረ ሰላም ተግባሮም ዘተባብዕ ኮይኑ ከምዘሎን፣ ነዚ ኵሉ መንሽሮ ኅብረተሰብ ላቲን ኣሜሪካ ንምውጋድ ቤት ክርስትያን ድምጻ ዓው ኣቢላ እናኾነነት ከምእትዋጋኦን ነዚ ዝጨመተ መደብ ሕንጸት ብምቕራብ ሕጋውነት ክስፋሕፋሕ ከይሰልከየት ከምእትዓይን ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተገልጸን እዚ ዓይነት ጸገም ክፍታሕ ብመደብ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ማሕበራውን ሕንጸት ገይራ ከምእትዋግኦ እውን ተሓቢሩ።

ብምቕጻል እቲ ጉባኤ ብዛዕባ ስደተይናታትን ኣድልዎን ዓሌታውነትን ማዕረነት ኣልቦ መነባብሮን፣ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ዘለዎን ናይ ወጻኢ ልቓሕን ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ተፈጥሮ ዝወርድ መጉዳእቲ፣ ኣብ ዝብሉ ዓበይትን እዋናውነት ዘለዎም ኣገደስቲ ኣርእስታታ እውን ምይይጥ ኣካይዱ፣ እዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዲኖሶስ ፍሊዩ ቤት ምኽሪ ዕለት 16ን 17 ሕዳር 2010 ዓ.ም.ፈ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ክርስቶስ ተኣሚንካ ብእምነት ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ምድራዊ ምልዋጥ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ንምክያድ መድብ ብምሕንጻጽ ከምዝተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ማሕተምን ክፍሊ ዜናን ዘውጸኦ መግልጺ የረጋገጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.