2009-11-26 14:08:35

ናይ መብራህቲ ሓይሊ ዘይረክብ ሕዝቢ ዓለም


ኣብ ዓለም ሓደ ሚሊያርድን ፈረቓን ካብዚ ድማ 80 ካብ ሚእቲ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ሰሃራ ዝርከባ ሓገራት ዝነብር ሕዝቢ ዝርከብዎም ናይ ድኻታት ሓገራት ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዘጠቓለለ ሕዝቢ ብዘይ ናይ መብራህቲ RealAudioMP3 ሓይሊ ከምዝነብር ናይ ሕቡራት መንግሥታታ ዓለም ጉዳይ ምዕባለ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ዓለም ሓቆፍ ክንክን ጥዕና ማኅበር ብሓባር ኣብ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ ሓቢሩ።

እቲ ሰነድ 140 ካብዚ ድማ 50 ኣዚየን ዝደኸያ ሃገራት ዘጠቓለለ ዝኽተልኦ ከይዲ ምዕባለን ሚዛን ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሃገራት ደቡባዊ ሰሃራ 74% ዝግመት ህዝቢ ናይ መብራህቲ ሓይሊ ከምዘይረክብን እቲ ሰነድ ኣመልኪቱ፣ እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ሚለኒዩም መደብ ምዕባለ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣዚዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጉዳይ ምዕባለ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምክትል ሓላፍን ናይ ሓይሊ ምንጭን ከባብን ዝምልከት ጨንፈር ሓላፊ ሚኖሮ ታካታ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.