2009-11-26 14:03:08

ሓድሽ ኣመሓዳሪ ጋዜጣ ኣቨኒረ


አቨኒረ እየተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ንኽመርሑ ዝተሓርዩ 51 ዓመት ዝዕድሜኦም፣ ናይዛ ጋዜጣ ምኽትል ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩን ጋዘጠይና ማርኮ ታርኵይኒዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ዝርከብዎም ካብ ቅድስቲ መንበርን ካብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሰናይ ኣገልግሎት ትምኒት መገልጺ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈሎም ተገሊጹ።

ሓድሽ ኣመሓዳሪ ጋዜጣ ኣቨኒረ ጋዘጠይና ታርኵይኒዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት ከውክሉኒ ሓጎስ ይስመዓኒ ኢሎም፣ ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ከምዝሰርሑን ኣብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ጋዜጣ ኣቨኒረ ክሰርሑ ምስ ተፈቐደሎም ካብታ ዕለት እቲኣ ንደሓር ናይዛ ጋዜጣ ጋዜጠይና ምዃኖም ከምዘየጠዓሶምን ገሊጾም፣ ናይዛ ጋዜጣ ኣመሓዳርን ዋና ኣሰናዳእን ይቀየር እምበር ናይዛ ጋዜጣ ርእሰ ዓንቀጽ ከምዘይቅየርርን ናይ ሓቂ መሣርሕን ናይቶን ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ፣ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቀጺሉ ድማ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝግለጽ ሰብኣዊ ፍጡር ዘማእከለት ብዛዕባ እቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ጭቡጥ ኩነታት ኣተቃልሕ፣ ንወንጌልን ንእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ተኣማኒት ጋዜጣ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ይብሉ፣ ብዝኾነ ይዅን ውሳኔን ድላይን ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ዘተረድእን ተነቃቕሕን ምትሕብባርን ምክብባርን ምቅብባልን እተተባብዕን ኣብ ኅብረ ባህልታትን ኅብረ ሃይማኖትን ብሰላም ንምንባር ዝሕግዙ መገድታት ዝትንተነላን ማኅበረሰብኣውነት እተስፋሕፍሕ ጋዜጣ ኢያ፣ ናይዛ ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳርን ኣሰናዳእን ምዃኖ ዓቢ ዕድል ኢዩ ዕድል ክብሉ ከለኹ ሓላፍነት እውን ማለትይ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.