2009-11-24 18:26:09

ዘተ ካቶሊካዊትን ኣንገሊካዊትን አብያተክርስትያናት ተኻይዱ፡


አብ ሮማ አብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን አንገሊኣዊትን ከም ዝተኻየደ ናይ ቫቲካን መግለጺ አመልኪቱ። ነቲ መበል ሳልሳይ ግዚኡ ዝካየድ ሀገራት ሐቆፍ ንባበ መለኮታዊ ዘተ ዘዳሉ ናይ ሐባር ኮሚስዮን ተጋቢኡ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ አገንዚቡ።

እዚ መጋባእያ”ዚ ፡ ናይቲ ዝሐለፈ ቀዳም አብ መንጎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን አብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ አንገሊካዊ ሮዋን ዊልያምስ አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ርክብ መቀጸልታ ከም ዝኾነ እዚ ኣአብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እቲ ዝሐለፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ሮዋን ዊልያምስን አብ ቫቲካን ዘካየድዎ ርክብ ናብ ቅድስቲ ካቲሊካዊት ቤተክርስትያን ክአትዉ ንዝደልዩ አንገሊካውያን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተዋህበ ሓዋርያዊ መምርሒ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

አብ ዓባይ ብሪጣንያ አንገሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ካንተበሪ ሊቀጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡እቶም ካብ አንገሊካዊነት ናብ ካቶሊካዊ እምነት ክቅይሩ ዝደልዩ አንገሊካውያን ብምርዳእን ብሕልንኦም ተመሪሖም ክገብርዎን እምነየሎም ፡ምስቶም አንገሊካዊት ቤተክርስትያን ንደቀንስትዮ መዓርገ ክህነትን ጵጵስናን ክወብ የብሉን ዝብሉ ዓቃባውያን አንገሊካውያን ውሽጣዊ ዘተ ከም ዝካየድን ይካየድ ከም ዘሎን አገንዚቦም።

አብዚ ግዜ”ዚ ናይ ብሪጣንያ አንገሊካዊት ቤተክርስትያን ንደቀንስትዮን ንሶዶማውያንን መዓርገ ክህነት ይኹን ጵጵስና ክውሀብ የብሉን ዝብሉን ነዚ ዝድግፉን ዘተ ፡ይካየድ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ካብቶም ዘይድግፉ ብርክት ዝበሉ ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክአትዉ ይሐቱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2010 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዓባይ ብሪጣንያ ክበጽሑ ተኽእሎ ከም ዘሎ አቀድም አቢሎም ምንጭታት ቫቲካን ከም ዘመልከቱ ክዝከር ከሎ፡ ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ነዚ ሓሳብ”ዚ ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ሮዋን ዊልያምስ ተሐቲቶም ክምልሱ እንከለዉ፡ እዚ አብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕብረተሰብ ብሪጣንያ ዝብልዎ ማለት ዝገብርዎ ዲስኩር ዝተመርኮሰ ክኸውን ይክእል ፡ ንአብነት ከም አነ ከም ዝመስለኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዓባይ ብሪታንያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻ አውራ ትሕዝቶ ካርዲናል ኒውማን ዘማእከለ ክኸውን ኢዩ ፡ እቲ አብ መበል ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ ካርዲናል ኒውማን ግን ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራሕ ከም ዝብጽሕዋ ክሕሰብ የብሉን ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ካንተበሪ ሊቀጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ አብቲ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ባሕቲ ታሕሳስ አብ ደንማርክ አብ ኮፐንሀገን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምልውዋጥ ጠባይ አየር ዘተኮረ ሀገራት ሐቆፍ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ብናይ አብያተ ክርስትያናት ሓድነት ኤኩመኒካዊ ሥርዓተ ጸሎት ከም ዝመርሑ ተፈሊጡ አሎ።

ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ ናይ አየር ጠባይ ምልውዋጥ ብዝምልከት ከም ዘመልከትዎ ፡ መንግስታት ዓለም ምልውዋጥ አየር አብ ልዕሊ ፍትረት ሰብ ሕማቅ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዝክእል ተረዲኦም አድላይነት ሐለዋ አከባቢ ክግንዘቡ ከም ዝግባእ ጠቂሶም አብ ኮፐንሀገን እዚ ብዝምልከት ምሕጽንታ ከም ዘቅርቡ ሐበሬታ ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.