2009-11-19 13:52:32

ጽባቐ ናብ እግዚኣብሔር ንምብጻሕ ኣዚዩ ዝማርኽን ዝምስጥን ኣገባብራ ኢዩ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝገብርዎ ኣብ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝተኣከቡ ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መደብ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ እንክረጋገጽ፣ RealAudioMP3 ቅዱስነቶም ናይ ትማሊ ሮቡዕ ጉባኤ ኣስተምህሮ መሠረት ዝገበሩ ናይ ማእከላይ ዘመን ስነ ህንጻ ካቴድራላት ኤውሮጳ ኢዩ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንጽባቐ ስነ ህንጻ ካተድራላት ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ ጠቒሶም እቲ ዘደንቕን ዝምስጥን ማራኺ ጽባቐ ስነ ህንጻ ካቴድራላት “ጽባቐ ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብን ንምፍቃሩን ዝጠቅም ሓደ ዘደንቕ መገዲ ከምዝኾነ ዘዘኻኽረና ኢዩ” ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ናይ ትማሊ ሮብዕ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ መደብ ኅቡራት መግሥታት ዓለም ንመበል 20 ዝክረ ዓመት ውዕል ምኽባር መሰላት ሕፃን-ንሕፃናት ጸሎትን ናይ ሓድነት ደገፍን ዝግበረሉ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕፃናት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም ንመላእ ሕፃናት ዓለም ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን ኣብ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ሕፃናት ከምዝጽልዩን ከምዝዘከሩን ኣረጋጊጾም ምእመናን ኵሎም ምሳኦም ብጽሎት ክሓብሩ ሃገራት ሓቆፍ ማሕበረ ሰብ ድማ ንሕፃናት ካብዚ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ኵነታት ንምንጋፍ ዝገብሮ ፃዕሪ ከሕይልን መሰልን ክብርን ሕፃናት ኪረጋገጽ ኵሉ እጃሙ ከበርክት ኣማሕጸኑ።







All the contents on this site are copyrighted ©.