2009-11-19 13:35:56

ኤውሮጳ ንዝስደዱ ክርስትያን ማኅበረሰብ ከይትርስዕ


ኣብ ኢጣሊይ ከተማ ሮማ ኣብ ኣዳራሽ ሕዝባዊ ባይቶ ገዳማት ነድሕን እተሰምየ ማኅበር ዘነቓቐሖ ኤውሮጳ ንዝስደዱን አደዳ ዓመጽን ጽልእን ኮይኖም ንዘለዉ ክርስትያን ማኅበረሰብ ከይትርስዖም ንምትብባዕ “ናይ ሃይማኖት ነጻነትን RealAudioMP3 ሰብኣዊ መሰልን ፈቓድን፣ ኣብ ኮሶቮ ዒራቕን ፓኪስታንን ዝረከቡ ክርስትያን ማኅበርሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ትማሊ ኣኼባ ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ኮሶቮ ዒራቕን ፓኪስታንን ዝመጹ ብጹዓን ጳጳሳት ከምእትሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ፓኪስታን ናይ ፋይሳላባድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ኩትስ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘቕረብዎ ምስክርነት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 2 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ክርስትያን ማኅበረሰብ ናይ እስላም ሃይማኖት ናይ እምነት መጽሓፍ ማለት ቁርዓን ኣርኪሶም ብዝብል ምስምስ ኣብ ጎርጃ ዓቢይ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ከምዘውረዱን በዚ ምኽንያት ድማ 8 ክርስትያን ምእመን ከምእተቐትሉን ገሊጾም፣ ናይ ፓኪስታን መንግሥቲ ነቲ በቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ዝዓነዉ ኣቢያተ ክርስትያንን ኣባይቲ ክርስትያን ምእመናንን ዳግም ንምሕናጽ ዓቢይ ደገፍ ከምዝገበርን ዘኪሮም፣ ኣብ ፓኪስታን ብዝሒ ክርስትያን 2 ካብ ሚእቲ ዝሽፍንን ንኡሳን ክፍሊ ማህበርሰብ እውን እንተኾነ ድምጹ ካብ ምስማዕ ከምዘይቦክር ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ናይ ዒራቕ ኣብ ታክሪት ናይ ሶሪያ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሚካኤል ኣል ጃሚል፣ ኣብ ዒራቕ ክርስትያን ማኅበረሰብ እምነቱ ክገልጽን ናይ ኣምልኮ ሥርዓት ክፍጽም ናጻ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ምስቶ ናይ እስላም ሃይማኖት ዝኽተሉ ደቂ ሃገር ማዕረ ከምዘይኮነ ርኡይ ኢዩ ኢሎም። ኣብቲ ዝተኻየድ ኣኼባ ኣብ ኮሶቮ 150 ቅዱሳት ሥፍራ ከምዝዓነወን ኣብዛ ሃገር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽ ናይ ዘተ ባህሊ ብህጹጽ ክብገስ ከምዘለዎን፣ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ መሠረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ከይተሓለሉ ጻውዒት ከምዘቕርቡ ኣብቲ ኣኼባ ክምእተዘከረ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.