2009-11-19 13:37:39

ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ


ናይ ኣፍሪቃ ናይ ካህናትን ልኡካነ ወንጌል ማኅበራት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማኅበር ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ መሠረት ብምግባር ተልእኮ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኮንጎ RealAudioMP3 ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ርእሰ ከተማ ኪኒሻሳ ካብ ዕለት 8 ሕዳር ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሥራሕ ኣኼባ ከምዘካይደ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ስብከተ ወንጌል ማለት ዓመጽን ምልካዊ ሥርዓታትን ብምቅዋም ወዲ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ጎረቤቱን ብሰላም ክነብር ምትብባዕን ምድጋፍን ማለት እውን ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዘተሓሳሰበ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ ከምእተዓዪን፣ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ናብ ድኽነትን ናብ ሕድ ሕድ ግርጭትን ዝድርኽ ዘሎ ናይ ማሕበኣዊ መንሽሮ ኮይኑ ዘሎ ሕሉፍ ብሔርይናነትን፣ ሕሉፍ ውልቃውነትን ዘተባብዑ ባህልታትን ኣመለኻኽታን ንምውጋድ ስብከተ ወንጌል ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምንቕቓሕ ዘለዎ ዓቢይ ተራ ክምስከር ከምዘለዎ እቲ ጉባኤ ኪንሻሳ ከምዘመልከተ ሚስና ናይ ዜና ኣግለሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.