2009-11-17 13:47:14

ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን ድላይ ናይ ሓባር ዘተ


እቲ ኣብ ቀረባ እዋና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካህናትን ምእመናንን ዘቕርብዎን ንዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ ኣብ ግምት ብምእታው፣ በቲ ዘለዎም ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ሥልጣን RealAudioMP3 ዝኣወጅዎ ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓድነት ዓሚታ ምስ ኣንግሊካዊ ቤተ ክርስትያን እተካይዶ ዘላ ዘተ ዝምስክር ምዃኑ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ እቲ ንሓድነት ዝግበር ዘተ ዘተዓናቕፍ ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኣግንሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ ዘሎ ኢሎም።

ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መፍነሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስት ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ቀረባ እዋን ማለት ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 ኅዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ነኸካይድዎ ተወሲኑ ዘሎ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትይንን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ከምዘይተቛረጸ ዝምስክር ኢዩ ኢሎም። ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስትያን ናብ ሓድነት ዘብጽሕ ከይዲ ተራእዩ ኔሩ ኢዩ እና ሓደረ ግን እቲ ተስፋ በቲ ኣብ ውሽጢ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጥሩ ለውጥታት ንደቀ ንስትዮ ናይ ክህነት ማዕርግን ናይ ጵጵስና ስሜት ምፍቃድ ዝብሉን ካልኦት ተመሳሳሊ ውሳኔታት ምኽንያት፣ እናረሓቐ ከምዝኸደ ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ሓቢሮም፣ ቀጺሎም ናይቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተኣወጀ ሓዋርያዊ ሕጊ መፈለምታን ምዕባለን ትርጉምን ኣረዲኦም፣ ብዙሓት ኣንግሊካውያን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንኽኣትዉ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘቕረብዎ ሕቶ መሠረት፣ እቲ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ብውሳኔን ሓበሬታን ቅዱስ ኣቦና ተመሪሑ ኣጽኒዑን ዝሓንጸጾ ሓዋርያዊ ሕጊ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተኣወጀን ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ኣረዲኦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.