2009-11-17 13:50:10

ናይጀርያ


ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብ መንጐ መንግሥቲ ናይጀሪያን ኣብ ናይ ጀሪያ ንከባቢ ደልታ ነጻነት ዝቃለስ ብሜንድ ዝጽዋዕ ግንባር ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቢጃን ናይ ሰላም ዘተ RealAudioMP3 ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

እቲ ሜንድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግንባር ንዘይተወሰነ ጊዜ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ካብ ዘቕርብ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ምዃኑ ዚስ ደይ እተሰምየ ናይ ናይጀሪይ ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ። እዚ ጋዜጣ ከምዘመልክቶ፣ ርእሰ ብሔር ኡማሩ ያርኣድዋ ካብቲ ናይጀሪያ ካብ ጽዓት ነዳዲ እተረኽቦ እቶት 10 ሚእታዊ ንከባቢ ደልታ ከምዝወሃብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ዘተባብዖ ናይ ሰላም ዘተ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ገዛእ ርእሱ ሜንድ ቢሉ ዝጽውዕ ግንባር ካብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ እቲ ካብ ከባቢኡ ዝወጽእ ነዳዲ ንናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ረብሓ እውን ክውዕል ሕቶ ብምቕራብ ዘበገሶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝኾነ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.