2009-11-17 09:38:54

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዝተዋሀደ ልቢ ጳጳሳዊ ጉባኤ ተሳተፍቲ ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


አብ ቫቲካን ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጳጳሳዊ ጉባኤ መበል ዕስራን ሾመንተን መደባዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኮር ኡኑም ውሁድ ልቢ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ውሁድ ልቢ ከም ዝገለጹሎም ፍቅሪ ክርስቶስ ምምስካር ማለት ምዕቃብ ሰብአዊ መሰል ከምኡ ክአ ምቅስቃስ ሕሊናን ማለት ኢዩ ።

አብ ሰብአዊን ርሕራሔን ሙያ ምውፋር ማለት ፡ መሠረታዊ ዓላምኡ መንነት ናይቲ መሐሪን መድኅን ዓለምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ምግባር ሰናይ ተግባራቱ ምንጋር ማለት ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ውሁድ ልቢ ከም ዝገለጹሎም እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።

እዚ ትማሊ አብ ቪላ አውረልያ ዝተጀመረ ጉባኤ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውህድ ልቢ ቀስቃሲ ፍቅሪን ትምህርተ ኢየሱስ ክርስቶስን ልግስና አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ጸገም ዘጋጥመሉ መካናት ፡ ገንዝብ ዝኸፋፍል ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እዚ ትማሊ አብ ቪላ አውረልያ ዝተጀመረ ጳጳሳዊ ጉባኤ”ዚ በቶም ናይቲ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብብፁዕ ካርዲናል ፓውል የሴፍ ኮርደስ ይምራሕ ከም ዘሎ ተነጊሩ።

ናይዚ ጉባኤ”ዚ ዋና ዓላማ አብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝዘርግሕዋ ደኡስ ካሪታስ ኢስት እግዚአብሔር ፍቅሪ ኢዩ ፡ ዝተሰየመ ሓዋርያዊ መልእክቲ ተመርኪሱ ፡ ተወሳኺ ህንጸተ ልቢ ንምልዕዓል አብ ልዕሊኡ ክአ ኩነታት ሰብአዊ ማኅበራት ቤተክርስትያን ንምድህሳስ ከም ዝኾነ ካብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ካብ ቪላ አውረልያ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

አብዚ ትማሊ ዝተጀመረ ጳጳሳዊ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወኪላት ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዘሳተፈ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ።

ዝሐለፈ ዓመት 2008 አብ ላቲን አመሪካ አብ አርጀንቲና አብ ከተማ ጓደልሀራ ዝሐለፈ ወርሒ መስከረም ክአ አብ ኤስያ አብ ታዋን አብ ታይፐይ ተመሳሳሊ ጉብኤታት ተኻይዱ ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ዝቅጽል ዘሎ ግዜ አብ ካልኦት ክፍለ ዓላማት ከም ዝካየድ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጽሐፊ ብፁዕ አቡነ ጊዮቫኒ ፒየትሮ ዳል ቶሶ መግለጺ ሂቦም።

እዚ ኮር ኡናኡም ውሁድ ልቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ግብረ ሰናይ”ዚ ማኅበር አብ ረዲኤት ምዕዳል ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ አብ ህንጸተ ቅጥዕን ሥነ ሥርዓትን ዘለዎ ኅብረተ ሰብ ከም ዝዋፈር ክአ እቶም ዋና ጽሐፊ አተሐሒዞም አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ነትም ተሳተፍቲ ጉባኤ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ከም ዘመልክትዎ ፡ ቤተክርስትያን በቀጥታ ፖሊቲካዊ ጉዳይ አይምልከታን ኢዩ ። ብስብከተ ቅዱስ ወንጌል አቢላ ልቢ ሰብ ንእግዚአብሔርን ንሰብን ትኸፍት ሕልንታት ክአ ትቅስቅስ ።

ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብኀይሊ ብስራተ ቅዱስ ወንጌል ሰብአዊ መሰላት ትከላኸል ፍትሒን ርትዒን ክነግስ ክአ ተበዓ ትሰርሕ ብማለት ቅዱስ አባታችን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንተሳተፍቲ ጉብኤ ውሁድ ልቢ ከም ዘመልክትሎም ተገሊጹ።

እምነተ ሃይማኖት ቅጥዓዊ ስርዓት ንክህሉ ንአእምሮ ሰብ ዘንጽህ መንፈሳዊ ኃይሊ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልከቱ ክአ ካብ ቪላ አውረልያ ካብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ህልውና ፈጣሬ ኩሉ ሰማያዊ እግዚአብሔር ከም ዝፍለጥ ምግባር ንኹሉ ትጽቢታት ወዲ ሰብ ከም ዝማላእ ምግባር ከም ዝኾነ ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝግለጹ ይምልከት።

ምጥማት ምርአይን ምስትንታን ክርስትያን ገጽ ፍጹም ሰብን ፍጹም አምላኽን ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይውዳእ ምሕረት ንኽትቅበል ከም ዝረድእ ክአ ከም ዘገንዘቡ ተፈሊጡ አሎ።

አተሐሒዞም ክርስትያን ናይ ዓለም ከይኮኑ ንዓለም ከፍቅሩን ከገልግሉን ከም ዝተጸውዑ ከም ዝፈልጡ ክአ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።አብ መወዳእታ ክአ ፍቅሪ ክርስቶስ ክምስክር ዝደሊ ክርስትያን ባህርያዊ ትሕዝቶ ቅዱስ ወንጌል ይኽተል እቶም ብፁዓንን ኅሩያንን ክአ ምእንቲ ትሕዝትኡ ሰማዕትነት ይቅበሉ ብማለት ከም ዘረድኡ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.