2009-11-12 14:05:25

ብፁዕ ኣቡነ ሚሊዮረ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ኣብ ኔው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም መበል 64 ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ RealAudioMP3 ሃይማኖት ብምቁጽጻርን ንናይ ፖለቲካዊ ረብሓ ጥቕሚ ንምውዓል ዝግበር ከይዲ ነቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ከምዘዳኽሞን ሓቢሮም፣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ፍሉይን ዝፈላልይን ቲይሎጊያዊ ዓንዲ ንናይ ሓባር ምክብባር መሠረት ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ቅድሚ ሓደን ፈረቓን ዘመን ናይ ኢንዱስትሪ ከይዲ መሠረታዊ ለውጢ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ሓይማኖት ንሕዝቢ ዘደንዝዝ ዕጽዋት ዝብል ትርጉም ከምዝተውሃቦን፣ ኣብዚ ዓለማዊ ምትእስሳር ኣብ ዝስፍሕፋሓሉ ዘሎ እዋን፣ ናይ ድኻታት ኃይሊ ዝብል ትርጉም ይወሃቦ ከምዘሎን ሓቢሮም፣ ናይ ሓይማኖትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ምትሕብባርን ናይ ደቂ ሰባት መንፈስ ንምንቅቓሕን ሕይወት ንክኽበርን ድኻታት ክኽበሩን ክሕለዉን መንግሥታዊ መዋቕራት ክሕደሱን ኢፍትሓውነትን መፍትሒ ክረክብን ግርጭታትን ምስሕሓባትን ብመገዲ ዕርቂ ክፍትሑ ሃይማኖት ብግብሪ የተባብዕ። ዝተፈላለዩ ኣካላትን መንግሥታትን ሃይማኖት ብምቁጽጻር ንናይ ውልቂ ረብሓኦም መጋበርያ ገይሮም ከምእተጠቀምሉን ምንቅስቃሳትን ብሄራውነት ስነ ሓሳባውያንን ነቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ ድላዮም ተቐባልነት ክህልዎ ዝሕግዝ ዕድል ገይሮም ከምዝርእይዎን ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ ዋን’ዚ ሃይማኖት ንምቁጽጻርን ንናይ ፖለቲካዊ ረብሓ መሳርሒ ክኸውን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዝትየሉን መፍትሒ ከናድየሉን ከምዘነቓቕሔ ብፁዕ ኣቡነ ሚሊዮረ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘተ ክገሃስ ዘይብሉ መዝነት ዝመልኦ ትእዛዝ ኮይኑ ክቐርብ ከምዘተባብዔን ኣረዲኦም፣ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ምክብባርን ምቅብባልን ምትሕብባርን መታን ክህሉ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ዝፈላልየን መሠረታዊ ቲዮሎጊያን መንፈሳውነትን መርሚሪካ ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ብምንቕቓሕ ምስ ዝተፈላለያ አቢያተ ክርስትያናትንን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኣይሁድን ቡዲስትን ሂንዱን ዝተፈለለዩ ተበግሶታት ከምዘተባብዔትን እዚ ድማ ዝለዓለ ናይ ምክብባር ባህሊ ብምርግጋጽ ኣብ መግኖ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን ምርድዳእን ምትሕብባርን ክህሉ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኩለን ሃገራት ነዚ ተረድኤን ኣብ መንጐ ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሕድ ሕድ ምርድዳእ ዝቖመ ባህሊ ንምሕናጽ ዝኣመተ ዘተ ክህሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክኣምናሉን ኣብዚ መደብ ክተሓባበራን ተተባብዔን ድሕሪ ምባል፣ እዚ ኣብ ኩለን ሃገራት መሰል ሃይማኖት እምነትካ ናይ ምግላጽን ምንባርን መሰልን ፍቓድን ክኽበርን ሕቡራት መንግሥታት ዓለም እዚ ሰብኣዊ መሰል’ዚ ክረጋገጽ ንኹሎም ናይ ሃገራት መንግሥታት ንኸነቓቕሕን እዚ መሰል’ዚ ውሑስ ክኸውንን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብናይ ሕሊና ነጻነት ዝንበር ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይ ቀይዲ ብሃይማኖታዊ ሥርዓታትን ተግባራትን ክንበርን ክግልጽን ከምዘለዎ ዘመልክት ባህሊ’ዚ ንምስፍሕፋሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ምክያድ ካብቶም ሓደ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ሸቶ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.