2009-11-10 15:59:32

ስደተኛታት ሀብቲ ደአምበር ሸኸም አይኮኑን ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ዓለም ለኸ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝምልከት መበል ሻዱሻይ ጉባኤ ትማሊ አብዚ አብ ቫቲካን ከም ዝተጀመረ ክዝከር ከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማል ነቶም ጉባኤኛታት ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ተፈሊጡ አሎ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ርክብ ከም ዘመልክትዎ ፡ ብመጀመርያ ደረጃ ክርስትያን ንስደተኛታት ተቀቢሎም ብምትሕብባር ጽቡቅ አቡነት ክኮኑ ከም ዝግባእ አመልኪቶም ፡ ስደተኛታት ሸከም ዘይኮኑስ ከም ሀብቲ ክርአዩ ከም ዝግባእ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ቦታ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዋርያዊ ኖልዎ ስደተኛታት አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተኛታትን ናይቶም ካብ ሐደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ እናተዘዋወሩ ዝነብሩ ማኅበሰረሰባትን ዝምልከት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ጉባኤ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ፡ ብዙሐት ካርዲናላት ጳጳሳት ካህናት መነኲስያት መነኮሳን ምእመናን ዘሳተፈ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተጀመረ ጉብኤ”ዚ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዚ በብግዚኡ እናንሀረ ዝኸይድ ዘሎ ፍልሰተ ስደተኛታት እትህቦ ሓዋርያውን ሰብአውን ረዲኤት አተኲሩ ከም ዝዝቲ ካብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ቦኣት ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እዚ ትማሊ ዝተጀመረ ጉባኤ”ዚ እቲ Erga migrantes caritas christi ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ንስደተኛታት ዘለዎ ፍቅሪ ዝተሰየመ ግብረ ሰናይ ማኅበር ካብ ስምስረት ድሕሪ ሐሙሽተ ዓመታት ይካየድ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ፡ ምዕራባውያን መንግስታት ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ አብ ዝውሰንሉ ግዜ ይካየድ ከም ዘሎን ቤተክርስትያን ንጉዳይ ስድተኛታት አድላዪ ትኩረት ንምሀብ መሠረተ ዓላማ ዘለዎ ጉባኤ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ነቶም አብቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዋርያዊ ኖልዎ ስደተኛታት ዝተሳተፉ አብ ዝተቀበልሉ ግዜ ከም ዘመልክትዎ ፡ ዓለም ለኻዊ ጥምረት አብ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜን ፡ዓለም ሐንቲ ንእሽቶ ቤተ ሰብ እናኸነት አብ ትኸደሉ ዘላ እዋን ፡ ዓለም ለኸ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው አብ ዝርአየሉ ዘሎ ግዜ ንስደተኛታት ማዕጾ ገዛኻ ምዕጻው ሰብአዊ ግብሪ ከም ዘይኮነ አመልኪቶም ።

ፍልሰተ ህዝቢ ፡ አህዛብ ዓለም ንክፋለጡ ባህልታት ክለዋወጡ ንምዕባሌን ሰላም አብ ምስፋንን ክተሐባበሩ ከም ዝሕግዝ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ አሎ።

ፍልሰተ ስደተኛታት ሐድነት ወዲ ሰብ ክህሉን ምኽባር ጋሻን ምዕቃብ ክብሪ ወዲ ሰብ ኀልዮ ፍጥረትን ክተረጋግጽ ዝዕድም ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ክርስትያን ናይዚ ጽቡቅ አብነት ክኸኑ ከም ዝግባእ ጠቂሶም ቤትክርስትያን ስድተኛታት ሸኸም ከም ዘይኮኑ ደቂ እግዚአብሔር ከም ዝኾኑ አሚና ትሰርሐሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም ተቅዋማት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ሰብአዊ ረዲኤት ዘካይድኦ ጻዕሪ ክብ ከብላ አተሐሳሲቦም አለዉ ።

አብዚ ርክብ”ዚ አብ ፓርላማ ኢጣልያ ናይ ሰኔት ፈጻሚ አካል ብፕረሲደንት ረናቶ ስኪፋኒ ዝምርሑ አባላት ፓርላማ ተሳተኢፎም ከም ዝነበሩ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

አብዚ ግዜ”ዚ ደቀንስትዮ ሕጻናት መንእሰያት ሽማግለታት አብ ሽግር ወዲቆም ተሰዲዶም ንኽነብሩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይርአዩ ምህላዎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘኪሮም ፡ ኩለንትናዊ ሰብአዊ ሐገዝ ክግበረሎም ይግባእ ብማለት ተማሕጺኖም ።

አብዚ ግዜ”ዚ ብጠንቂ ዓለም ለኸ ቅልውላው ኤኮኖሚ ደቂ ሰባት ብስእነት ስራሕ ዝሳቀይሉ ዘለዉ ግዜ”ዚ ደቂ ሰባት ክተሓላለዩን ክተሐጋጋዙን ሐላፍነት ከም ዘለዎም ፡ አብ መንጎ አዝዮም ሀብታማትን አዝዮም ድኻታትን ዘሎ ናይ ሀብቲ ዓቢይ ጋግ ወይ ክአ ፍልልይ ክጸብብ ደቂ ሰባት ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ከማዕብሉ ከም ዘድሊ ክአ አመልኪትም ።

ዝተፈላለየ ባህሊ ቀለምን ቋንቋን እምነትን ከም ሀብቲ ጸጋን ክቁጸር ከም ዝግባእ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ ንሰባት ክፈላልዮምን ከባእሶም ከም ዘይግባእ ከም ዝግለጹ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

ንሰላምን ምዕባሌን ቅስነትን ወዲ ሰብ ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት ብሐባር ክውገዱ ከም ዘድሊ ወዲ ሰብ ካብ ህርፋንን ስስዔን ርእሱ ክገትእ ስብአዊ አተሐሳስባ ከማዕብል ርሕራሔ ከዘውትር ክአ ተለብዮም።

ሐቀኛ ሰብአዊ ምዕባሌ አብ ፈሪሀ እግዚአብሔርን ምትሕብባርን ምድንጋጽን ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቶም ።

ካብ ኢ ሰብአዊ ናብራ ክናገፉ ዝሐሸ ሕይወት ዝደልዩ ሰባት ማለት ስደተኛታት አብ ዝኸድዎ ተቀባልነት እንተ ስኢኖም ዘጋጥሞም ተስፋ ቁርጸት ምርዳእ ከም ዘድሊ አመልኪቶም።

አብ መወዳእታ ርክብ አህዛብ ዓለም ፡ አብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህልታት ዘተ ክካየድ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ባህሊ ምኽባርን ምጽውዋርን ሰናይ ተግባር ከም ዝኾነ ዘመልክት አብ ዝሐልፈ ቀረባ ግዜ ዘተሐላለፍዋ ካሪታስ ኢን ቨሪታተ ፍቅሪ አብ ሐቂ ዝተሰየመት ሓዋርያዊ መልእክቲ ዘሎ ሐረግ አዘኻኺሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.