2009-11-10 14:13:12

ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ርእይቶ



 


ብዛዕባ ዝተኣወጀ ሓዋርያዊ ሕጊ ኣመልኪቶም ናይ ዌስትሚኒስትር ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳን ናይ ኢንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ኒኮላስ ኣብ ዝሃውብዎ መገልጺ፣ RealAudioMP3 ኣዚዮም ከምዝተሓጎሱን፣ ቅድስቲ መንበር ናይ ብዙሓት ኣንግሊካውያን ቀጻሊ ሕቶ ኣብ ግምት ብምእታው ዝሃበቶ ኣወንታዊ መልሲ ከምዝኾነን። እቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ኣንግሊካውያን ካብ ሕጂ ንንየው ብቕድስቲ መንበር ዝተወሰነ ክኽተልዎ ዝግበኦም ግልጺ መገድን ሕግን ኣነጺሮም ክፈልጡ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ጉይልፎርድ ናይ ኣግንሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈር ሂል እቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ናይ ኣንግሊካውያን ካህናት እቲ ዝምልከቶም ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ሕጊ ተጠንቂቖም ክርድእዎ ይግባእ፣ እዚ ቅድስቲ መንበር ዝኣወጀቶ ሓዋርያዊ ሕጊ ናይ እንግሊጣር ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቁምስናታታ ኮነ ኣብ ሰበኻታታን ንእትህቦ ሃዋርያዊ ኣገልግሎታ ተስፋ ዘቑርጽ ኣይኮነን፣ ንሓደነት ዘተባዕ ኣወንታዊ መልሲ ኢዩ ኢሎም፣ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንናይ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ሓድነት ካብ እትገብሮ ጻዕሪ ከተንሳሕብ ዝድርኻ እውን ኣይኮነን እንክብሉ ርእዮት ከምዝሃቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.