2009-11-07 14:38:17

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ.


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጽባሕ ሰንበት ሸሞንተ ኅዳር ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ናብ ትውልዲ ዓዲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ማለት ናብ ብረሺያን ኮንቸሲዮን ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መገሻ ኪፍጽሙ መደብ RealAudioMP3 ተይሩ ከምዘሎ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም በዚ ጽባሕ ዝገብሩዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ማለት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተወለዱሉን ዝዓበዩሉን ብመንፈስ ዝተሃንጹሉን ቦታታት ኪርእዩ ኢዮም።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ብረሺያ ከተማ ሎምባርዳ ኪበጽሑ ከለዎ መጀመሪያ ናብቲ ኣስከሬን ሳንታኣርካንጀሎ ታዲ ተዓቂቡሉ ዝርከብ ውሩይ ቤተ መቕደስ ቦቲቺኖ ሰራ ኣቲዮም ኪጽልዩ ኢዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.