2009-11-06 14:42:13

ውሳኔ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ.


አብ ኤውሮጳ ንሐለዋ መሰል ሰብ ዝቆመ ቤት ፍርዲ መሰል ምልክት መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ አብያተ ትምህርቲ ክእለ ውሳኔ ከም ዘሕለፈ ተፈሊጡ አሎ ።

እቲ ኤውሮጳዊ ሰብአዊ ቤት ፍርዲ መሰል ሰብ ዘሕለፎ ፍሳኔ ፡ ነቲ ውሳኔ አብ ግብሪ ምትራጓሙን ዘይምትርጓሙን ሐላፍነት መንግስታት አባል ሀገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝኾነ ናይ ኮሚስዮን ኤውሮጳ ውሀቢ ቃል ጃክስ ባሮት መግለጺ ከም ዝሀቡ ካብ ስትራስበርግ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ጃክስ ባሮት ከም ዘመልክትዎ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ መሰላት ኤውሮጳ ነጻ ርእሱ ዝክአለ ከም ዝኾነን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተአሳሰረ ምትእስሳር ከም ዘይብሉን ብተወሳኺ መብርሂ ከም ዝሕበኡ ክአ ተገሊጹ ።

አብ አብያተትምህርቲ ፡ ክርስትያን ዘይኮኑ ወይ ክአ አብ መስቀል ዘይአምኑ ተመሃርቲ ስለ ዘለዉ መስቀል ንኹሎም ስለዘየማእክል ካብ መንደቃት አብየተ ትምህርት ክእለ ዝተፈርደሉ ምኽንያት ብወለዲቶም አብ መስቀል ዘይአምኑ ቤተ ሰባት ንቤት ፍርዲ ስለ ዝተወከሱን መሰልና ይትሐለወልና ባማለት አብየቱታ ስለ ዘቅረቡን ከም ዝኾነ ተገሊጹ አሎ ።

ዝኾነ ኾይኑ ዝበዝሑ ናን መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ፖሊቲካ ሰበ ሥልጣናት መስቀል ካብ አብያተ ትምህርቲ ክእለ ብማለት በቲ ንሰብአዊ መሰል ሰብ ዝቆመ ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ዝሐለፈ ውሳኔ አብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ርእይቶ ከም ዝሀቡ ይፍለጥ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢጣልያ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝሐለፈ ውሳኔ ብምቅዋም ፡ ይግባይ ከም ዝብል ክአ አፍሊጡ አሎ ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ነቲ ዝሐለፈ ፍርዲ ከም ዝነጸግዎን ነቲ ብመንግስቲ ኢጣልያ ጸረ”ቲ ውሳኔ ይግባይ ከም ዝብል ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝድግፉን ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሀቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መስቀል ንኹሉ ፍጡር ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ህያብ ከም ዝኾነ ፡ ምልክት ፍቅሪ ምልክት ሕብረት ምልክት ድሕነት ከም ዝኾነ አመልኪቶም እቲ ንሰብአዊ መሰል ሰብ ዝቆመ ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳኔ ጌጋን ተቀባልነት ዘይብሉን ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

መስቀል ከም ምልክት ምፍልላይ ከም ገታኢ ነጻነት ጌርካ ምርአይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።

መስቀል አብ ባህልን ታሪኽን ኢጣልያ እቲ ዝልዓለ ፍቅሪን ክብርን ዝውሀቦ ምልክት ከም ዝኾነ ክአ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሀቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ ሂቦም።

ሃይማኖት አብ አብያተ ትምህርቲ ንህንጸተ ሞራል ዓቢ አስተውጽኦ ከም ዝህብ ዘይክሐድ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ አባ ፈደሪኮ ሎማርዲ መስቀል አብ ኢጣልያ ምልክት ባህላዊ ታሪኻዊ መንፈሳውን መሰረታዊ መንነት ኢጣልያን ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

እቲ ቤት ፍርዲ ሰብአዊ መሰል ኤውሮጳ ዘሕለፎ ውስኔ ክርስትና አብ ህንጸተ ኤውሮጳ ዘለዎ ታሪኻዊ ተራ ክርስትያናዊ መንነት ጥንታዊትን ሐዳስን ኤውሮጳ ዘቁናጽብ ከም ዝኾነ ክአ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሀቢ ቃል አገንዚቦም ።

አብ ቅድስቲ መንበር ሐላፊ ማኅበር አቡናት ሊቀመንበር ብጹዕ ካርዲንስ ጂቫኒ ባቲስታ ረ አብ ኤውሮጳ ዝንበሩ ዝበዝሑ ክርስትያን ከም ዝኾኑ አዘኻኺሮም ምልክት መስቀል ካብ መንደቃት አብያተትምህርቲ ክእለ ብማለት እቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳኔ ክትርድኦ ዘጸግም አብ ልዕሊ ምዃኑ መስቀል መስረት ክርስትና ምዃኑ ምስቀል መንነት ኤውሮጳ ከም ዝኾነ ሕብረት ኤውሮጳ አብ ክርስትና ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ዝስሐተ ብዘይ ምፍላጥን ዘይምርድእን ንሕብረት ኤውሮጳ ዝጐድእ ውሳኔ ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

መስቀል መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እግዝአብሔር ብሐፈሻ ንወዲ ሰብ ስለ ዘፍቅሮ ሕይወቱ አሕሊፉ ከም ዝሀበ ዘመልክት ከም ዝኾነ ክአ ብፁዕ ካርዲናል ጂቫኒ ባቲስታ ረ መግለጺ ሂቦም ።ዓለማውያን መንግስታት፡ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እቲ ናይ ቄሳር ንቔሳር እቲ ናይ እግዝአብሔር ንእግዚአብሔር ሀቡ ዝበሎ ክዝክሩ ክአ አተሐሳሲቦም ። አብ ቤት መኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ አልዶ ጆርዳኖ ፡ ብዛዕባ”ቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ መግለጺ ከም ዝሀቡ ክምልከት ከሎ ፡ እቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ዝስሐተ መጻኢ ግዜ አብ ግምት ዘይእተወ አብ አጉል ሥነ ሐሳብ ምርኩስ ዝገበረ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ንወዲ ሰብ ታሪኹን መንነቱን ክተሕድጎ ከም ዘይክአል ምኳኑ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.