2009-11-05 14:38:20

ቦትስዋና፣ ናይ ኣፍሪቃ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ


ኅበረት ኣፍሪካ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ መራኸቢ ብዙኃን ብፍላይ ድማ ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ረድዮ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ኣብ ቦትስዋና ከተማ ጋብሮኔ ትማሊ ከምዝጀመረ ተገሊጹ። እዚ ልዕሊ 40 ናይ ኣፍሪቃ ዝተፈላለያ RealAudioMP3 ማዕከናት መራኸቢ ብዙኃን ዝሳተፋሉ ዘለዋ ኣፍሪቃዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳራ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፣ ኣቲ ኣኼባ ብጹቡቕ ክካይድን ኣዕጋቢ ውጽኢት ክህልዎን ዘለዎም ጽቡቕ ትምኒት ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝተመያየጠን ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖሶዶስ፣ ዜጋታት ኣፍሪቃ ኣመንትን ኢኣመንትን እቲ ንፍጥረት ሰብ ኣገዳሲ ዝኾኑ ክቡር ዋጋታት ማለት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኣፍሪቃ ንኽረጋገጽ ናይ ኣፍሪቃ መራኸቢ ብዙኃን ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን መሣርሒ ክኾና ዘተባብዔን ከምዝነበረ ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ በዚ መሠረት እቲ ናይ ቦትስዋና ዋዕላ ሽቶኡ ክወቅዕ ኣብቲ ዘተመሓላለፍዎ መልእክቲ ተመንዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.