2009-11-03 13:26:35

ኣውስትራልያ፣ ዕዙዝ ብቕዓት ካቶሊካዊ ኣቢያተ ትምህርቲ ተናኢዱ


ናይ ኣውስትራልያ ሚኒስርት ጉዳይ ሕንጸት ጁሊያ ጂላርድ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኣውስትራሊያ በቢ ዓመቱ ነተን ብሉጽ ናይ ምምሃር ሜላ ዘለወንን ኣብ ምምሃርን ተመሃሮ ኣብ ምሕናጽን ተምሃሮ ክዕወቱ ዝግበራ ተባሂለን RealAudioMP3 ንዝሕረያ ዝወሃብ ስልማት ንናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርትን መምሃራንን ከምዝሃባ ተገሊጹ።

እዚ ብናይ ኣውስትራልያ ሕዝባዊ ባይቶ ውሳኔ መሠረት ዝወሃብ ስልማት ንካቶሊካዊ ኣቢያተ ትምህርትን ምምሃራንን ከምዝተውሃበን፣ እቲ ብሉጽ ላዕለዋይ ንመምሃራን ዝወሃብ ስልማት ኣብ ኣራንሞረ ናይ ካቶሊክ ተቛም መምህር ትራስይ ኤንቶንይ ከምእተወሃበ ተገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣውስትራልያ 640 ሺህ ተመሃሮ ዝከታተልሉን 40 ሺህ መምሃራን ዝምህርሉን 1,700 ካቶሊካዊ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዘሎ እንክንገር፣ ኣብ ኣውስትራልያ ቀዳመይቲ ናይ ካቶሊክ ቤት ምህርት ኣብ 1820 ዓ.ም. ዝቖመት ከምዝኾነ ኤሺያን ኔውስ የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.