2009-11-03 13:20:32

ንምኽባርን ሓለዋን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን


ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ኬንያ ታንዛኒያ ኡጋንዳ ሩዋንዳን ብሩንዲን ኣባላት ማኅበረሰብ ሃገራት ምስራቕ ኣፍሪቃ ምዕባለን ምስትምቓር ነጻነትን ትግባሬ ከይዲ ዴሞክራስን ንምትብባዕ ብዛዕባ RealAudioMP3 ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝከታተል ሓደ ፍልዩ ናይ ሃባር ድረገት ክቐውም ናይዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝከታተሉ ድርገታት ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ከምእተሰማምዑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ናይዘን ሓሙሽተ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ጉዳይ ዝሓሊ ፍሉይ ናይ ሓባር ድርገት ሊቀ መንበር ከምቲ ናይ ማኅበረሰብ ሃገራት ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብተራ ዝወሃብ ሓላፍነት ከምዝኾነ ድማ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዘመልከት ሚስና ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ድርገት እቲ ኣብ ብሩንዲ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ድርገት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንሥቲ ዘሎን ዘይ ናጻን ብምዃኑ፣ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኩነታት ናይ ሰብኣዊ መሰልንፍ ቓድን ዝከታተል ካብ መንግሥቲ ናጻ ዝኾነ ድርገት ክቐውም ከምዝሓተተ ሚስና ኣረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.