2009-11-03 13:22:44

ብሩንዲ፣ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ደገፍ


ኣብ ብሩንዲ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምስ ናይዛ ሃገር ዝተፈላለዩ ናይ መግንሥትን ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበርት ብምትሕብባር ብሸሓት ንዝቝጸሩ ንናይ’ዛ ተመዛበልቲ ዓቢይ ደገፍ ተቕርብ ከምዘላ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይ ብሩንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ RealAudioMP3 ድርገት ሊቀ መንበር ኣባ ሳልቫቶረ ኒቺተረትሰ ካብ 1972 ዓ.ም.ፈ. ኣቲሒዞም ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ተመዛበልትን ስደተይናታትን መዕቆቢ ዝርከቡ ዜጋታት ብሩንዲ ከምዘለዉ ጠቒሶም፣ ነዞም በሸሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝተበጽሔ ስምምዕን ዝተሓንጸጸ መደብን፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝለዓለ ኤኮኖምን ሰብኣውን ዓቕሚ ዝሓትት ምዃኑን እቶም ተመዛበልቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንሃገሮም ክምለሱ ምስ ተገብረ፣ ኣብ ሃገሮም ብዘይ መንበርን መግብን ተሪፎም ንብዙሕ ሓደጋ ዝተቓልዕሉ ኩነት ዳግም ከይፍጠር፣ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ሕይወቶም ንኽመርሑ ክድገፉ ኣለዎም፣ ስለዚህ ኣዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት መደብ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ብሩንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ዘቕርበዎ ጻውዒት መሠረት፣ ኩለን ቁምስናታት ነቶም ተመዛበልቲ ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ዝኾኖም ናይ መግብን ክዳውንትን ናይ ምቕራብ መደብ የካይዳ ከምዘለዋ ኣባ ኒቺተረትሰ ከምዝገለጹ ፊደስ እንከመልክት፣ እዚ ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ምስ ዘቕርቦ ሓገዝ ዝውሰኽ ምዃኑ እውን ፊደስ ሓቢሩ። እዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ዜጋታት ብሩንዲ ንሃገሮም ምስ ተመልሱ እቲ ሎሚ ብኻልኦት ተወኒኑ ዘሎ ሓዲገምዎ ዝኸዱ መሬቶምን ኣባይቶምን ንኽምለሰሎም ዘቕርብዎ ሕቶ መፍትሒ ዘድልዮ ንናይ ማሕበራዊ ናብራ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ስንኵፍ ጉዳይ ምዃኑ እውን ኣባ ኒቺተረትሰ ከምዝገለጹ ፊደስ ብምምልካት፣ ድሕሪ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ብሩንዲ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ተመዛበልቲ ንሃገሮም ከምእተመስሉን ካብዚኣቶም 430 ሺሕ ካብ ታንዛኒያ ዝተመልሱ ከምዝኾኑን፣ ኣብዚ እዋን እዚ 36 ሺሕ ዝግመቱ ተመዛበልቲ ዜጋታት ብሩንዲ ኣብ ታንዛኒያ ኣብ መዕቆሚ ተመዛበልቲ ከምዝርከቡ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.