2009-11-03 13:19:09

ማኅበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ኮሎምባኖ


79 ዓመት ዝዕድሜኦም ተወላዲ ኣየርላንድ ኣባል ማኅበርሰብ ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ኮሎምባኖ ኣባ ሚካኤል ሲኖት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ፊሊፒንስ ከምእተጨውዩ ክዝከር እንከሎ፣ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. እቶም ጨወይቲ ኣባ ሲኖት ናይ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተሓትመ ናይ ፊሊፒንስ ጋዜጣ ሒዞም እንከለዉ ዘረኢ ዝተቐርጸ ተንቀሳቃሲ ስእሊ RealAudioMP3 ብምትሕልላፍ ሃለዋቶም ብምሕባር ነጻ ንኽልቀቑ 2 ሚሊዮን ዶላር ዝሓተትሉ መልእክቲ ዝተነበሉ ሓበሬታ ከምዘተሓላለፉ ክረጋግገጽ እንከሎ፣ ቤተ ክርስትያን ኮነት መንግሥቲ ፊሊፒንስ እቶም ጨወይቲ ነዘቕረብዎ ቅድመ ኩነት እወንታዊ መልሲ ከምዘይህብሉ ከምዘፍለጡ ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ብሔር ግሎሪያ ኣሮዮ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጦም።

ኣብ ፊሊፒንስ ሓለቓ ማኅበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ኮሎምባኖ ኣባ ፓትሪክ ኦዶኖገ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቶም ጨወይቲ ዘመሓላለፍዎ ሃለዋት ኣባ ሲኖት ዘረጋግጽ ሓበሬታ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ከምዘቕሰኖም ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን ተጨውዮም ምርኣይና ዘሕዝን ኢዩ ኢሎም። ኣቲ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታት ተንቀሳቃሲ ስእሊ ብዛዕባኦምን ዘለዎ ኩነታትን ዘመልክት ኢዩ፣ ኣብ ገጾም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ተንጸባሪቑ ትርእይ፣ እግዚኣብሔር ናይቶም ጨወይቲ ልቢ ክልውጥን ንኣባ ሲኖት ናጻ ክለቑን ተስፋ ከምዘለዎም እውን ኣመልኪቶም፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብቲ ሕልው ኩነታትና ብፍቕሪ ዝመጻና ኣባ ሲኖት እውን እቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌል ኣብቲ ዝርከብሉ ቦታን ኩነትን ከምዘብጽሑ ርገጸያን ኢዩ ኢሎም።

መላእ ቤተ ክርስትያንን ማኅበር ክርስትያ ኣባ ሲኖት ናጻ ንኽልቀቑ ዝዕርጎ ዘሎ ጸሎት ኣመስጊኖም፣ ንኹሎም ልኡካነ ወንጌል ወትሩ ብጸሎትን ክንዝክሮም ብምትሕስሳብ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣባ ሲኖት ናጻ ክልቀቑን ኵሎም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል እግዚኣብሔር ከጸናንዖምን ኃይሉ ክኾኖም ዘቕረብዎ ጸሎት ደስ ዘብልን ዘጸናንዕን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ ፊሊፒንስ ኣርባዕተ ሳዕ ብብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ከእተጠቕዔት ክንገር እንከሎ እቲ ኣብዘን ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ፊሊፒንስ ዝተፈላለያ ከተማታት ዘጥቕዔ ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ብዝፈጠሮ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይን ዕንወት ዲጋታትን ፍሰት ምልኣይ ወሓይዝን ኣብ ንብረትን ሰብን ዓቢ መጉዳእቲ ከምዘስዓበ ተረጋጊጹ። ካብ ማኒላ ብሸነኽ ምብራቕ 45 ሚሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ እርከብ ከተማ ካርዶና ልዕሊ 500 ኣባይቲ ከምዘዕነወን ክንገር እንከሎ ኣቲ ኣብ ፊሊፒንስ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ነቲ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ድኽነት የብእሶ ከምዘሎን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 175 ሰባት ምስቲ ምዕልቕላቕ ማይ ተተሓሒዙ ብዝመጹ ሕማማት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶን ካልኦት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ንዋሕዲ ጥዕና ጥሜትን ክቃልዕ ምዃኑን፣ 163 ሺሕ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከምዝረከቡን፣ ኣቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዘውረዶ ናይ ሕይወተን ንብረትን ጥፍኣት ብገንዘብ ክግመት እንከሎ 300 ሚሊዮን ኤውሮ ዝግመት ምዃኑ እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ።

እዚ ዅሉ ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ንምድራት ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናይ ፊሊፒንስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብቐዳምነት ትዋሳእ ከምዘላ ናይ ማኒላ ሰበኻ ካህን ኣባ ቲም ቺሩላኼስ ሓቢሮምን ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ን 122 ሽሕ ስድራ ቤት ዝኸውን 800 ሺሕ ኤውሮ ሓገዝ ከምዝሃበት ኤሺያን ኔውስ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.