2009-11-02 16:53:10

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አባላት ማእከል ሥነ ኮኾብ ቫቲካን ተቀቢሎም አዘራሪቦም


እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዓመተ ሥነ ኮኾብ ተባሂሉ ከም ዝተሰምየ ክዝከር ከሎ ፡ እዚ ምኽንያት ብምግባር ስፐኮላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል መጽናዕቲ ሳይንስ ቫቲካን አብ ዘዳለዎ ርክብ ዝተሳተፉ ተመራመርቲ ሳይንስ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አባላት ሥነ ኮኾብ ተቀቢሎም አብ ዘዛራረብሉ ግዜ ከም ዘመልክትዎ ፡ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ክቅጽል ከም ዘለዎን አብ ፍጥረት ፍቅሪ ናይት ኩሉ ዝፈጠረ እግዝአብሔር ክረክብን ከም ዘተሐሳሰቡ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ።

ፍጥረት ኩሉ ስራሕ እግዝአብሔር ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ነዚ ህያብ እግዝአብሔር ዝድህስስ ከም ዝኾነን አገንዚቦም።

ማእከል ሥነ ሳይንስ ቫቲካን ብግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጎርጎርዮስ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዝተጀመረ ጥንታዊ ማእከል ከም ዝኾነን እዚ ሕጂ ኤውሮጳውያን ዝጥቀምሉ መራሕ ዕለትን አቆጻጽራ ዘመናትን ብናይ’ዚ ማእከል”ዚ አባላት ተዳልዩ ዝቀረበን ብ1582 ዝጸደቀን ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ ።

ማእከል ሥነ ኮኸብን ምምሕዳር ቫቲካንን ብምኽንያት ዓመተ ሥነ ኮኸብ ናይ ምሉእ ዓለም ተመራመርቲ ሳይንስ አኪቦም ንኽልተ መዓልቲ ዕለታት ምይይን መጽማዕትን ከም ዘካየዱ እዚ ናይ ቫቲካን መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

እዚ ዓመተ ሥነ ኮኾብ”ዚ ነቲ ፍሉጥን ዘይርሳዕን ናይ ሥነ ፍልጠት ምሁር ንጋሊለዮ ጋሊለዪ ከም ዝተዋህበ ክዝከር ከሎ ፡ እዚ ዓመት”ዚ አድማሳዊ ህዋ ነድንቀሉን ሐቂ ንደልየሉን ግዜ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘገንዘቡ መግለጺ ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ናይ ኩሉ አድማሳዊ ህዋ ማእከል እቲ በቲ ስጋ ዝለበሰ ክርስቶስ አቢሉ ዘለአለማዊ ሕይወት ከም ዝተገልጸ ጠቂሶም ክአ ማእከል ሳይንስን መጽናዕትን ቫቲካን ምስ ጋሊለዮ ጋሊለይ ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነ ከም ዝገለጹ ይምልከት ።

አብ መንጎ”ቲ ጋሊለዮ ጋሊለይ ዘካይዶ ዝነበረ ሳይንሳዊ መጽናዕትን ቤተክርስትያንን ዝነበረ ግዝያዊ ዘይምቅዳው ቤተክርስትያን አብ መንጎ ሃይማኖትን ሳይንስን ቅኑዕ ርክብ ትደልየሉ ዝነበረት ግዜ ምኻኑን ጠቂሶም በዚ አጋጣሚ”ዚ በቲ ግዜ”ቲ አብ መንጎ ቤተክርስትያንን ጋሊለዮ ጋሊለይን ዝንበረ ዘይምቅዳው ወይ ክአ ቤተክርስትያን አብ ልዕሊኡ አብ ልዕሊኡ ዘሕለፈቶ ናይ ምኲናን ውሳኔ ብሐቀኛ አገባብ ተጸኒዑ ስለ ዝተፈልጠ ንእግዝአብሔር ምስጋናን ክብርን ይብጽሐዮ ብማለት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝገለጹ እቲ መግለጺ አገንዚቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.