2009-10-31 15:31:59

ዋዕላ ኅብረት ኤውሮጳ


ኣብ ብራሰልስ ዝተኻየደ ጉባኤ ኅብረት ኤውሮጳ ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ እቲ ኣኼባ ካብ ዝተዘራረበሎም ርእሰ ጉዳያት ሓደ ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝብል RealAudioMP3 ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ድኻታት ሓገራት ነቲ ኣብ ዓለምና ዝኽሰት ዘሎ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክዋስኣ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምዘድልየን ብምግላጽ እዚ ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየር ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ዝሓቶ ሚዛን ገንዘብ ኣብ ዝምልከት ውሳኔ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከምእተበጽሔ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ስምምዕ ከምዘመልከቶ ኅብረት ኤውሮጳ ድኻታት ሓገራት ንምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ንምቁጽጻር መታን ክኽእላ ካብ 2013 ክሳብ 2020 ዓ.ም.ፈ. በቢ ዓመቱ 100 ሚሊያርድ ኤውሮ ሚዛን ገንዘብ ከምዘድሊ ኅበረት ኤውሮጳ ብምምልካት ኣብዚ ሚዛን ገንዘብ ኅብረት ኤውሮጳ እጃሙ ክንደይ ከምዝኾነ ከሕብርን ክውስንን እተን ካልኦት ምዕቡላታ ሃገራት ማለት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካልኦት ምስ ኅበረት ኤውሮጳ ርክብ ዘለወን ዓለም ሓቆፍ ተኸናኸንቲ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ማኅበራት ክንደይ ከምዝሰልዓ ክፈልጥ ከምዝደሊ እቲ ሰነድ የመልክት።

እዚ ትማሊ ዝተፈጸመ ጉባኤ ኅበረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን እቲ ናይ ሕበረት ኤውሮጳ ዶባት ዝቆጻጸር ፍሮንተክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማኅበር ሥርሑ ብግቡእ ነኻካይድ ብዓቕሚ ሰብን ሚዛን ገንዘብን ንምሕያል ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት እውን ከምዝዘተየ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.