2009-10-31 15:09:52

ሞራላውያን ጸጋታት መሠረት ጽኑዕ ኅብረተ ሰብ ኢዮም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዓርቢ ሓድሽ ልእኽተ መንግስቲ ፓናማ ወ/ሮ ደሊያ ካርደናስ ክርስቲየ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋወጡን ቅድስቲ RealAudioMP3 መንበር ዝዘርግሐቶ ዜና ገሊፁ።

ቅዱስነቶም ሓድሽ ልእኽተ መንግስቲ ፓናማ ንመንግስተን ወኪለን ኣብ ቅድስቲ መንበር ኪሠርሓ ዘፍቀደለን ናይ ሹመት መልእኽቲ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘረከባሉ ሥርዓት ጥዑይ ማሕበራዊ መሠረት ኣንጺፍካ ብርቱዕ ኅብረተሰብ ንምህናጽ ዚሕግዙን ኪተርፉ ዘይግብኦምን ነገራት ጠቒሶም ማኅበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ ሙስናን ብላዕን ብልሽው ዘይሞራላዊ ልማዳትን ምቅላስ ሰላም ንምስፋን ካብ ዝጽነሰሉ ጊዜ ክሳዕ ብባሕረየ ተፈጥሮ ዝሓልፍ መሰል ሕይወት ሰብ ምሕላው ከምኡ ድማ ብመርዓ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን እተመሥረተት ስድራ ቤት ምሕላው ዝብሉ ሓደ ብሓደ ዘርዚሮም ገለጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.