2009-10-31 15:30:45

ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ


ናይ ስብከተ ወንጌል ኣሕዛብ ናይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ልኡካነ ወንጌል ኣባላት መራሕቲ ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ካብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣኼባ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 እዚ ናይተን ናይ እንግሊዝኛ ቋንቋ ተጠቀምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ናይ’ዚ ቅዱስ ማሕበር መራሕቲ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ብናይ ምትሕብባር መንፈስ ተመሪሑ ብተግባር ክረጋገጽን ክግለጽን ከምዘለዎን፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ቃልን ተግባርን ዘሰንዮ ምትሕብባር ዘድልዮ ምዃኑ ኣብ ዛምቢያ ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ጳጳሳዊ ማኅበር ሓላፊ ኣባ ቤርናርድ ማካዳኒ ዙሉ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ልኡካነ ወንጌል ክላለዩን ብዛዕባ እተን ልኡካነ ወንጌል ዝርከብወን ሃገራት ሕልው ኩነታት ብዝበለጸ ንኽርድኡን፣ በቐጥታ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ተመክሮ ክለዋወጡን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብሓባር ክሕንጽጹን ከምዝሓገዘ እውን ክንገር እንከሎ፣ ሓዋርያዊ ግብረ ተእልእኮ ኵላውነት መልእክዑ ክንጸባረቕ ከምዘለዎ እቲ ኣኼባ ከምዘተሓሳሰበን፣ ኣብ መደምደምታ እቲ ኣኼባ፣ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ዝሓሊ ማኅበር ኣብዘን ናይ እግንሊዝኛ ቋንቋ ዝጥቀማ ሃገራት ዝኽተሎ ናይ ሕንጸት መደብ እውን ገምጋማት ከምዝገበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.