2009-10-22 18:09:51

ናይ ር.ሊ.ጳ ሮብዓዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተአከቡ ምእመናን፣ ብዛዕባ ቅዱስ በርናርዶስ ዘክለርቮ ተዛሪቦም። ወዲ ሰብ ካብ ብፍልጠት ዝያዳ ብጸሎት ንእግዚአብሔር ኪረክብ ከምዝኽእል፣ እግዚእትነ ማርያም ድማ ናብ ወዳ ኢየሱስ ከምእትመርሓና ገለፁ።

ቅዱስነቶም ፍልጠት ብዛዕባ እግዚአብሔር ዝለዓሉ መሠረታውያን ሕቶታት ብቑዕን እኹልን መልሲ ክህብ አይኽእልን፤ ቢሎም ዚረድኡ ኣብ ሕይወትን ትምህርትን ቅ.በርናርዶስ ኪያራቫለ ተመስሪቶም እንኽኾን፤ ብዛዕባ እዚ ክዛዘም ቀሪቡ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ኣብዚ በብዓይነቱ ሽግር ዝሳአ ዘሎ ኣህጉር ቤተ ክርስትያን እተርቅርቦ አገዳሲ ኣገልግሎትን እውን ዘኪሮም ተዛረቡ።

ናይ ትማሊ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ መደብ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ዝቐረበ ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ እንክኾን አርባዓ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ከምዝተሳተፉሉ ተመልኪቱ። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.