2009-10-22 13:26:54

መምርሒ ሚሥጢረ ቅዱስ ቁርባን


ቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ለካቲት 2007 ዓ.ም.ፈ. ናይ ፍቕሪ ሚስጢር ወይ ድማ ቅዱስ ቁርባን ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሮማ ሚስጢረ ቅዱስ ቁርባን ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዘተየ ናይ መላእ RealAudioMP3 ካቶሊካውያን ጳጳሳት መበል 11 ሥሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ፣ መምርሒ ሚሥጢረ ቅዱስ ቁርባን ክሕተም ምዃኑ ገሊጾም ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ብቤት መጻሕፍቲ ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ንኽበቅዕ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚሥጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅይነተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ካኚዛረስ ሎቨራ ትማሊ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብወግዒ ከምእተረከበ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ ዜና የረጋግጽ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ ሰነድ፣ ኣበው ሲኖዶስ ዘቕርበዎ ሓሳባት ብሓደ ጠርኒፉን ብቅደም ተኸተል ኣንቢሩን መምርሒ ሚስጢረ ቅዱስ ቁርባን ብዝብል ኣርእስቲ እዚ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ሚስጢር ብዅሉ ክስትውዓልን ክስትንተንን ንናይ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝግበር ጸሎት ክተግህን ምስ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ክርስቶስ ዝሰማማዕን፣ ኣብ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ዘሎ ጸሎታት ኣኮቴተ ቁርባን ዝተወከሰን ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ እምነቱ ክተግህን ሚስጢረ ቅዱስ ቁርባን ብዝበለጸ ንኽነብሮ ንምሕጋዝ ዝኣመተ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፣ እቲ መምርሒ ሚሥጢረ ቅዱስ ቁርባን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ወትሩ ናይ ቤተ ክርስትያን ምንጪ ሕይወትን ልዑል ተልእኾን ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን እዚ ማለት ድማ ምእመናን ሕይወቶም ሓቀይና መንፈሳዊ ኣምልኾ ክኸውን ዘነቓቕሕ ማለት ምዃኑ ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ገሊጸምዎ ከምዝነበሩ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.