2009-10-21 18:32:47

፩ ሰንበት ዘፍልሰታ


ንባባት፡ ኤፈ 4፡17~24፥ 1ጴጥ 4፡1~6፥ ግ.ሓ. 26፡1~24፥ ዮሓ 6፡1~15። መዝሙር፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም . . . . . . . .

ስብከት፡ እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ. . . . . . . . ወርሒ ነሓሰ ብፍሉይ ንማርያም ዝተዋህበ ወርሒ እዩ። ብፍሉይ ከአ ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ወዲአ ናብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ ክንዝክር እሞ ዘኪርና አብነታ ተኸቲልና ክንጉዓዝ ንሕና እውን ጉዕዞ ሕይወትና ናብ ሰማይ ዝጠመተ ገርና ክንጉዕዝ ዝሕግዝ ፍሉይ ግዜ። ኣብዚ እዋን ፍልሰታ ብፍሉይ ክነስተንትኖ ከም መበገሲ ክንጥቀመሉ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ አብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 6 ክነስተንትን። ዮሓ ምዕራፍ 6 ኢየሱስ እንገራ ሕይወት ምዃኑ ይገልጽ። ካብዚ እንገራ ዝሳተፍ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ እዩ።

ዮሓንስ ከም ማርቆስ ወንጌላዊ ዝብሎ ኢየሱስ አብ ማዕዶ ቀላይ ገሊላ ምስ ተሳገረ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝሰዓቦ ይነግረና። ህዝቢ ንኢየሱስ ክርእዩ 12 ኪሜ ኣቋሪጾም ቀዲሞም ጸኒሖሞ፥ ዮሓንስ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ምልክታትን ተአምራታትን አብ ልዕሊ ንሕሙማት ርእዮም እዮም ይብለና። እዚ ኸአ ዓሚቕ ጠመትን ሃረርታን አብ ሕይወቶም ዝምነይዎ ምልአትን ምሕረትን ዘርኢ እዩ። ካልእ ምኽንያት እውን ምናልባት በቲ ዝርአይዎ ተአምራታትን ዝሰምዕዎ ወረን ተላዒሎም ዝመጹ ክኾኑ ይክአል። እቲ ኾይኑ እቲ ንኢየሱስ ክርእዩ ክሰምዑ መጺኦም።

ኢየሱስ ናብ እምባ ደየበ ይብለና፥ እምባ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ህላዌ አምላኽ ዘዘኻኽር እዩ። አብ እምባ ምስደየበ ንአርድእቱ ምስኡ ከም መተዓይይቱ ወሲድዎም ። ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ጉዕዞ ቀጸልቱ ስለዝኾኑ ምስኡ ወሲድዎም። አብ ጎቦ እስራኤላውያን ሕጊ አምላኽ ተቐቢሎም፥ ኢየሱስ አብ ጎቦ ንሱ እቲ ሕይወት ዝህብ እንጌረ ምኻኑ ገሊጹ።

ፍሊጶስ ብዙሕ ህዝቢ እሞ አብ ጸምጸም በረኻ ምስ ረአይ ንኢየሱስ ክሰዶም ሓቲትዎ ምኽንያቱ ነዚ ኹሉ ዝኸውን መግቢ የብልና እናበለ። “ነዚ ኹሉ ዝኸውን መግቢ ካበይ ክንረክብ” እናበለ ስክፍታኡ ገሊጹ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ዘንጊዑ። ወላ ክልተ ሚእቲ ዲናሪ እውን አይአኽሎምን (ሓደ ዲናር ዕለታዊ ውዕለት እዩ በቲ ግዜ)፥ እዚ ናይ ፍሊጶስ ሕቶ ምስቲ ናይ ኤልያስ ነብይ ብ20 ቅጫ ን200 ክምግብ ዝተሓተ ይመሳሰል (2ዘነገስት 4፡42~44)፥ ከመይ ገረ በዚ 20 ቅጫ 200 ሰበት ክምግብ እናበለ ንእግዚአብሔር ይሓቶ። “ክበልዕዎ ነቶም ሕዝቢ ሃቦም” ዝብል መልሲ ተዋህቦ። ሃቡ ክውሃበኩም ከአ እዩ። እንድርያስ ከም ፍታሕ ኢሉ አብዚ ሓደ ቆልዓ ምስ ሓምሽተ ቕጫን ክልተ ዓሳን አሎ እንተኾነ ነዚ ኩሉ ሕዝቢ እሞ አበይ ክበጽሖ እናበለ ተዛረበ። ኢየሱስ ነቲ ቅጫን ዓስን ናባይ አምጽእዎ በሎም። አብዚ ክንሓስቦ ዘሎና ኢየሱስ ነቲ ሕዝቢ ካብ ባዶ ተበጊሱ አይመገቦምን ካብቲ ዝነበረ አበርኪቱ መገቦም። ኢየሱስ ነዚ ተአምረት ዝገበሮ እቲ ቆልዓ ስለዝተሓባበረ ምስቶም ኩሎም አብኡ ዝነበሩ ዝፈልጦምን ካልኦትን ክማቐል ፍቓደኛ ስለዝኾነን እዩ። ገለ ነዚ ከስተንትኑ ከለዉ ናይ እቲ ቆልዓ ሕያውነት ነዚ ተአምራት ከምዝኸውን ገርዎ ይብሉ። ሰባት ካብ ርእሶም ወጾኦም ንኻልኦት ክሕግዙ ዝሕግዝ አብነት። አብ ርእስና ተመሊስና ንርአ ክሳብ ክንደይ አብ ገንዘብና ጥሪትና ጥራሕ ዝዘምበልና ኢና። እግዚአብሔር በቲ ምሳና ዘሎ ውሑድ ነገራት ሕይወት ብዙሓት ከሕዊ ይኽእል። አብ ዓለም ሰባት ብጥመት ይሞቱ አለዉ እዚ መግቢ ተሳኢኑ ኣይኮነን እንታይ ድአ ማእከላይ ዕደላ ስለ ዝተሳእነ እዩ። መግቢ ኩሉ ግዜ አሎ እቲ ጸጊሙ ዘሎ እቲ ድለት ናይ ምሃብን ነቶም ዘይብሎም ከፍርዩ ክትሕግዝ ዘይምድላይን እዩ። ካብ ዘሎካ ምሃብ።

እዚ እነዕርጎ ዘሎና መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን፥ናይ ምሃብ፥ናይ ምፍቓር፥ናይ ምክፋል ምልክት እዩ። እዚ ብኹልና ዝቐረበ እንገራ አብቲ ቡራኬ ይቕደስ፥ ተቖሪሱ ኸአ ንኹልና ይዕደል። ቅዱስ ቍርባን በዚ መንፈስ ክነቕርቦ ኽሎና ጥራሕ እዩ አባና ዝሰርሕ። ኩልና ብማዕረ አብ ሓደ መአዲ ተሳተፍቲ ክንከውን ከሎና ሽዑ አብመንጎና ጽጉም አይክህሉን እዩ።

አብ ማቴ፥ ሉቃስ፥ማር፥ ነቲ እንገራ ዓሳን ንህዝቢ ዝዓደሉ ሓዋርያት እዮም እዚ ኸአ ምልክት ክገብርዎ ዘልኦም አብ መጻኢ እዩ። ናይ ዝመጽእ ትልእኮኦም ምልክት እዩ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ግን ኢየሱስ ባዕሉ ንህዝቢ ይዕድሎም። ዮሓንስ ኣስዒቡ ኢየሱስ ሕያው እንጌራ ንዓለም ሕይወት ዝህብ ከምዝኾነ ይገልጽ ወልእኳ መንጎኛታት ይሃልዉ ኩሉ ግዜ እንቕበሎ ኢየሱስ ብቃሉን ብሥጋኡ ወደሙ ዝመጸና ንሱ ባዕሉ እዩ። ዮሓንስ ናይ ኩሉ ምምጋብ ምንጪ መንፈሳዊ ይኹን ግዙፋዊ ኢየሱስ ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ እዩ።

ህዝቢ ነቲ ኩሉ ምስረአዩ ተገሪሞም እዚ ብሓቂ ነቢይ እዩ፥ እዚ እቲ እንጽበዮ መስሕ እዩ እናበሉ ተገሪሞም። ስለዚ ንጉሶም ክገብርዎ ደልዮም። እዚ ምቹእ ኩነታት ነቲ ንጉሶም ክኽተሉ ፈጢርሎም ነሩ እንተኾነ ንሶም ብግጉይ መገዲ ተረዲኦሞ፥

እቲ ሓቀኛ መልእኽቲ ኢየሱስ ምንጪ ናይ ኩሉ ሓቀኛ መግቢ ሕይወትና ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። ነዚ ምንጪ ኹሉ መግቢ ዝኾነ ክንካፍል እንተ ደሊና ንአኡ ክንሰምዖ አሎና። ብምሉእ ምስኡ ክንወሃሃድ ክንሰናዶ አብቲ ምስጢረ ፋሲካ ዝኾነ ሕወቱ ክንአቱ ይግባእ። አብቲ ምእንቲ ካልኦት ዝሃቦ ሕይወቱ፥ ስቓዩ፥ ሞቱ፥ ክንአቱ ይግባእ። በዚ ርድኢት ክንስዕቦ ኸሎና ሽዑ ንጉስና እዩ።

ንሕና ብአምላኽ ንምገብ ከምዘሎና ከመይ ገርና ክንፈልጦ ንኽእል። ነዚ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ክንርእዮ ንኽእል። “ነቲ ዝተጸዋዕክምሉ ጽዋዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትንብሩ እልምነልኩም አሎኹ” ይብል። እዚ ብኽልተ ነገር ክኸውን ይኽእል። ሀ. ቀጻሊ ሓገዝን ፍቕርን ብምግባር ማለት ንርእስኻ ኢሚንቲ ብምቝጻር፥ ሕያዋይ፥ ብኹሉ ዕጉስ ብምዃን፥ ለ. ነፍሲ ወከፍ ብዝክአሎ ንሓድነትን ሰላምን ብምሉእ ልቢ ብምስራሕ። ንሕና ካብዝን ካብትን ዝተአከቡ ግለሰባት አይኮናን፥ ንሕና ሓደ ሰውነት ዝኾነ ሰውነት ክርስቶስ እንሓንጽ ኢና። ሓደ ህዝቢ ኢና። ማሕበርና ብፍቕርን አብናይ አድሕድ ተገዳስነት ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ። ቅዱስ ቍርባን ናይ እዚ ሰውነት ምላክት እዩ።


ሓድነትና ብናትና ጻዕሪ ጥራሕ ክብጻሕ አይክአልን እዩ። ናይ ሕይወት እንጌራ ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ ሓገዝ የድልየና። ንሱ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክምግበና ፍቓደኛ እዩ ኩሉ ግዜ ኸአ መንገድታቱ እናሓበረና እዩ።

አባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.