2009-10-21 18:33:23

ኤውሮጳ


ኣብ ከባቢ ሰሜን ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደጋ ባራዕ ሓዊ ብዙሕ ኣግራብን ዱርን ተፈጥሮን የብርስ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ስፐይንን ፈረንሳን ኢጣሊያ RealAudioMP3 ግሪክን ብዝያዳ ዝረኤ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክኸውን እንከሎ፣ ኣራጎናን ካታሎኛን ኣዚየን ዝተጠቕዓ ከምዝኾናን ልዕሊ 15 ሺሕ ሄክታር ዝግመት ምሕርቲ ሕርሻ ከምዝበረሰን፣ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ 5 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ተገሊጹ።

ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሳርዴኛ ዝወረደ ሓገዳ ባርዕ ሓዊ ይስፋሕፋ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝተፋሩን በዚ ሓዳጋ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ነዚ ዓይነት ሓደጋ ንምቁጽጻር ይተሓባበራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.