2009-10-21 18:33:02

ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ። ቅድሚ ትማሊ ለይቲ ኣጽዋር ዝተዓጥቁ ሰባት ኣብ ከተማ ዋጂፍ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም መኽዘን RealAudioMP3 ረድኤት መጥቃዕቲ ብምፍናው ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይቲ መኻዝን ሓለውቲ ኣባላት ጸጥታ ውግእ ከምዘካየዱን ሰለት ኣባላት ኣሸበርቲ ከምእተቐትሉን ሓደ ኣባል ኃይሊ ጸጥታ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ኣል ሻባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ኣኽረርቲ ምስልምና ዝፍንዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ሶማሊያ ናይ ሰብኣዊ ሽግር የኽብዶ ከምዘሎ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዕለት 11 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.