2009-10-20 14:41:38

ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን ኣብ ኣፍሪቃ


ኣብ ካምፒዶሊዮ ሕንጻ ምምሕዳር ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ በቲ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ምኽንያት ብሓልዮት ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ዝተዳለው ብዛዕባ RealAudioMP3 ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዝተየ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ሮማ ምስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበርን ናይ ኣፍሪቃ ካልኣይ ሲንዶሶ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ራዲዮ ቫቲካንን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ልኡካን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣፍሪቃ እውን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

ኣፍሪቃን ሮማን፣ ብዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ መሠረት ድማ ኣፍሪቃን ዓለምን ንምባል ዝኽእል ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፣ ኢጣሊያ ምስ ኣፍሪቃ ብመልክኣ ምድር ዘለዋ ርክብ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ክፍሊ ዓለም ንዘለዋ ርክብ መሠረት ምዃኑ ዝመስክረ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ኣፍሪቃ ዝግበሩ ስምምዓትን ርክባትን ኣብ ናይ ዕዳጋን መኽሰብን ዘተኮረ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ መሠረት ጸረ ሓቀይና ምዕባለ ከምዝኾነ እቲ ኣብ ካምፒዶሊዮ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብምትሕስሳብ፣ ሓቀይና ምዕባለ ኣብ ምሉኣዊ ዕብየት ሰብን ኣፍሪቃ እቲ ዘለዋ ዕቑር ዓቕምን ብቕዓት ዘነቓቕሕን ንናይ ኅብረ ኢንዳስትሪ ኣመለኻኽታን ውሳኔን ዘይግዛእ ከምዝኾነን እዚ ዓይነት ምዕባለ ንኣፍሪቃ ከምዘድልያ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ምኽባርን ኣፍልጦ ኩላውነት ሰብኣዊ ክብሪ ዘይተመሥረት ምዕባለ ቴክኒካዊ ጥራሕ ኮይኑ ከምዝተርፍን እዚ ድማ ንግዚኡ ናብ ምዕባለ ዘብጽሕ ድኣ ይምሰል እምበር፣ ጎደሎን ዝኹለፍን ከይዲ ምዕባለ ኢዩ፣ እዚ ድማ ዘይዕወት መደብ ምዕባለ ከምዝኾነ ኣሌማኖ ሓቢሮም።

ዋና ጸሓፊ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሮቪች ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ሽግራት ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ብናይ ወንጌል ብርኃን ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፣ እዚ ድማ ሓላፍነትን ብድሆን ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ነቲ ሓድሽ ማሕበራዊ ክስተትን ማሕበራዊ ባህርያት ምቅይይራት ኣብ ግምት ዘእትው ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፣ ካብ ድኽነትን ተላገብ ሕማማትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓመጻትን ውግኣትን ምስፍሕፋሕ እቲ ነቶም ብቐሊሉ ክንቀፉ ዝኽእሉ ክፍሊ ኅብረተሰብ ሕጻናትን ደቀ ንስትዮን መንእሰያት ሓድሽ ግልያነት ዘኸትሉ ሓደስቲ ባዕዳዊ መግዛንኣትን መጉዳእትን ንምሕዋይ ዝሕግዝን ዘተባብዕን ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ምርግጋጽ የድሊ ኢሎም።

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፣ እቲ ምስ ኣፍሪቃን ንኣፍሪቃን ከነረጋግጾ እንደሊ ምሕዝነት፣ ኣብ ኃይሊ ክፍልታት ቤተ ክርስትያን ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን ኢሎም፣ ንናይ ኣፍሪቃ ምሉኣዊ ምዕባለ ዘተኮረ ከይዲ ምዕባለ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃውያን ብቐዳምነት ደረጃ ተዋሰእቲ ዝኾኑሉን ኣብቲ ኩላውነት ክብሩ ዋጋ ዝኾነ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ዝኣመተ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ፣ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር መሥራቲ ፕሮፈሶር ኣንድረያ ሪካርዲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ጉዳይ ስደተይናታት ኣፍሪቃ ብስነ ሕግን መምርሕን ጥራሕ ዝርኤ ማኅበራዊ ክስተት ኣይኮነን፣ ሙሉእ ግንዛቤ ክወሃቦም መንቀሊኡን ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ንስደት ዝድርኸዎ ጉዳያት ኣጽኒዕካ፣ ምስ ኣፍሪቃ ኴይንካ ክፍታሕ ዘለዎ ኢዩ። ስደተይና ኣብ ዶብ ዝተርፍ ወይ ድማ ኣብ ዘዳቡቡ ክልታታ ብዝምሥረቱ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝፍታሕ ዘይኮነስ፣ ዝተማልኤ ምዕባለ ጥራሕ ኢዩ መፍትሒኡ፣ ስለዚህ ኣፍሪቃ ንምሕናጽ ንኣፍሪቃ ረብሓ ዘተኮረ ካልእ ሕቡዕ ድላይ ዘይብሉ ነጻ መደባት ምዕባለ ምሕንጻጽን ንኣፍሪቃውያን ዕድላት ብዝፈጥር መገዲ ምትሕብባር ምርግጋጽ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላውረንት ሞሰንጉዎ ፒሲንያ ብተራኦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኤውሮ-ኣፍርቃ ማለት ምትእስሳር ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፣ ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃ መሠረት ዘለዎ ኮይኑ፣ ሙያውን ባህላውን ፍልጠት ኣፍሪቃ ኣብ ጥቅሚ ኣፍሪቃ ዝዎለሉን ንኣፍሪቃ ዘገልግለሉ ዕድላት ዝፈጥር፣ ናይ ሓይሊ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ መሠረት ዝገበረ ሕጊ ዝቖመላ ክፍሊ ዓለም ክትከውን ዘብቕዓ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፣ እዚ ኤውሮ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ኣብ ህርፋንን ድላይ ዘመተ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣፍሪቃን ዝቖመ ዘይኮነስ፣ እቲ ንኣፍሪቃ ንድሕሪት ዝጎታ ዘሎ ማኅበራውን ሰብኣዊን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጠባይ ዘለዎም ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝብል ዕላማ ዝቖመ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.