2009-10-17 13:41:16

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጽዕነት ወጻኢ ዕዳ ኣፍሪቃ ክሕከኽ ሓቲቶም


ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ትማሊ ናይ ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ ጠቕላሊ ሰነድ ኣብ ምቅርራብ ዘተኮረ ዝርርብ RealAudioMP3 ከምዘካየድ ተሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ሰነድ ንናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ከረክቡ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፣ እዚ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብተራኡ ነቲ ብጹዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎን ዝተዛራረቡሉም መልሲ ዝሃቡሉን ጉዳያት ዘጠቓለለ ሰነድ ኣወሃሂዱን ኣሪሙን ብቅደም ተኸተል ጠርኒፉ ከቕርቦን ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ብተራኦም ናይ ድምጺ ውሳኔ ክህብሉ ኢዮም። ብፁዓን ኣበው ኣፍሪቓ ካብቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ሓደ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽዕነት ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ዝጽውዕ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ማለት ድማ ብሕያውነት ዝግበር ምሕረት ዘይኮነስ፣ ሕቶ ፍትሕን ርትዕን ምዃኑ ኣብ ኣይቨርይ ኮስት ናይ አቢጃን ልሂቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል በርናርድ ኣግረ ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም፣ እዚ ኣፍሪቃ ተጻዒንዋ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኣፍሪቃ ከይትስጉም ንድሕሪት ዝጎታ ከቢድ ጽዕነት ምዃኑ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ብቐረባ ክግንዘብዎ ይግባእ ከምዝበሉ ተረጋጊጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣግረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ ሕዝባ ፈጺሙ ክኸፍሎ ዝከኣሎ ከምዘይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ኣፍሪቃ ክትኸፍሎ ስለ ዘይትኽእል ድማ እቶም ሃብታማት ሃገራት እቲ ዘለቐሐኦ ዕዳ ብካልእ መልክዕ ማለት ብጥረ ሃብቲ ክኽፈለን ይሓታን በዚ መልክዕ ድማ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ክምዝምዛን ከይዲ ፖለቲካ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝደለየኦ ክውስነኦ ይርከባ። ኣፍሪቃ ናይቲ ዝተለቀሓቶ ገንዘብ ተገዛኢት ኮይናን ንድላይን ውሳኔን ሃብታማት ሃገራት ተንበርኪኻ ትርከብ፣ እዚ ድማ ናይ ዘመንና ጊልያነት ይበሃል፣ ቢሎም ብዙሓት ሊቃውንቲ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ኣፍሪቃ ነቲ ዝተለቐሓት ሓደ ዶላር ብሸሞንተ ዶላር ከምእትዕደዮ ይሕብሩ፣ ምእንቲ’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ እዚ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ልቃሕ ክለዓለላ ዘቕርብዎ ሕቶ፣ ሕቶ ሕያውነት ዘይኮነስ ሕቶ ርትዕን ፍትሕን ኢዩ ኢሎም።

እዚ ኣፍሪቃ ዘለዋ ልቓሕ ንምኽፋል ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ኣፍሪቃ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ልምዓት ክይትስጉምን ጸረ ምዕባለ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ኩሉ ዕዳ ተሰኪምካ ከመይ ገርካ ኢዩ ዝምዕበል? ሃገርን ሕዝብን ስድራ ቤትን ናብ ዝገደደ ድኽነት ዝጎትት ዘሎ እቲ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ክሕከኽ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣፍሪቃ እታ ብጸዋዕታ ሃብታም ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኣለዋ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.