2009-10-15 14:39:28

ወዲ ሰብ ዝለዓለ ሃብቲ ዕብየትን ምዕባለን ኢዩ


ዓቢይን ተቐባልነትን ዘለዎ ኤኮኖሚያውን ማኅበራውን ምዕባለ ንምርግግጋጽ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ዓቢይ ጻዕሪ ከካይድ ከምዘለዎ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዛዕባ ኤኮኖምን ማኅበራዊን ጉዳያት ኣማእክሉ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ RealAudioMP3 ዝተረኽቡን ዘረባ ዘስምዑ ኣብዚ ናይ ዓለም ሓቆፍ መንግሥታት ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ብጹዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ብዝሒ ሕዝቢ ዓለምን፣ ስድራ ቤት፣ ሕንጸትን ምንቕቓሕ ደቀ ንስትዮን፣ ምስፍሕፋሕ ኣቢያተ ትምህርትን፣ ክንክን ጥዕናን፣ ክንክን ጥዕና ኣደን ዝምልከቱ ጉዳያት ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ተንቲኖም፣ ካብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣብ ዓለም እና በዝሔ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ሕዝቢ ዓለም ነቲ ክብጻሕ ተሓቂኑ ዘሎ ተቐባልነት ዘለዎ ግብእን ዓብይን ምዕባለ ዕንቅፋት ኢዩ ከምእተብሃለን ዘኪሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ግንዛቤ መሠረት ዘይብሉ ጌጋ ከምዝኾነ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ ኢሎም። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣብተን መጠን ብዝሒ ወሊድ እና ወሓደ ዝኸደለን ዘለዋ እዚየን ዝማዕበላ ሃገራት፣ ምዕባለ ኤኮኖሚኤን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ፣ መጠን ብዝሒ ወሊድ ክዓብይ ዝተፈላለዩ ደገፋት ከነቓቕሓ ከምዝረኣያን ኣመልኪቶም፣ ትሕቲ ዜሮ ዝኾነ ብዝሒ መጠን ወሊድ ነኸወግድኦ ዓቢይ ጻዕሪ ክግበራ ከምዝረኣያን ሓቢሮም፣ ብዝሒ ሕዝቢ ምስ መግብን ቀረብ ጻዓትን ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ምስ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ብምትሕሓዝ ክጽናዕ ጸኒሑ ኢዩ፣ እቲ ዓቢይ መሠረት ሃብቲ ግን እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም እውን ዝተኣመነሉ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ምዕባለ ሰብን ስድራ ቤትን ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝወርድ ምዝመዛ ጾታዊ ስምዒት ንምውጋድን ብሓፈሻኡ እቲ ንደቂ ሰባት ከም ኣቕሓ ዝፈርዱን ዝርእዩን ዝስፋሕፍሑ ዘለዉ ባህልታት ክውገዱ መንግሥታት ክዓዩ ከምእተጸውዑ ገሊጾም፣ ሰብ ማእከል ፖለቲካዊ ምዕባለ ክኸውን እለዎ ኢሎም፣ ኣተሓሒዞም እቲ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልት ንምምሕዳር ዝሕጸጹ ናይ ፖለቲካ መደባት ኢሰብኣው ከምዝኾነን እዚ ክውገድን፣ ስድራ ቤት ስደተይናታት ዘይበታትን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ኣብ መደምደምታ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ንነዊሕ ዝኣመተ ብቑዕን ስሉጥን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ማለት ኣብ መግኖ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕርነት ዘረጋገጽ ኤኮኖሚያውን ማኅበራውን ፖሊቲካውን መደብ ምርግጋጽ ይግባእ ኢሎም፣ ክንክን ጥዕና ስነ ወሊድ መሠረት ጽንሲ ምንጻል ከምእወታዊ ዘቐርቡ ፖሊቲካዊ ኣመለኻኽታን ውሳኔታትን ብፁዕ ኣቡነ ቸለስት ከምዝነቐፉ፣ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.