2009-10-15 14:35:50

ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ትማሊ ብሕታዊ ዝርርብ ኣካይዱ


ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ትማሊ ብሕታዊ ዝርርብ ከምዘካየደ RealAudioMP3 ተገሊጹ።

ናይ ሲኖዶስ ዋዕላ ጠቅላሊ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ናይዚ ዕጽው ብሕታዊ ዝርርብ ጸብጻብ ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዓን ኣበዊ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምቕራብ ክሠርሑ ምዃኖም ብፁዕነቶም ሓቢሮም፣ ናይ ኣፍሪካ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በቲ ሓዋሪያዊ መሠረታ ሃብቲ ምዃናን ሓላፍነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርግጋጽ ዕርቂ ዘለዋ ግደ ዓቢይ ስለ ዝኾነ ንሓቂ እናማዕደወትን ኣብ ተልእኾኣ ተኣማኒት ኮይና ኩነታታንን ተግብራታን ኣብ ግምት ከትእትዎ ኃላፍነት ከምዘለዋ ኣብቲ ብሕታዊ ዝርርብ ከምእተመልከተ ኣረዲኦም። ቤተ ክርስትያን - ሥድራ ቤት እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነት ድማ እዛ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ካብ ውሽጣ ተለዊጣ ንክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ እትልውጥ ክትኸውን ከምዘለዋ ብሕታዊ ዝርርብ ዘካይዱ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘምልከቱ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ሓቢሮም።

ሓዋርያዊ ኣገልግሎታ፣ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ዝኾነ ይኹን ፍርሒ ካብቲ ግብረ ጥንቆላ ዘላዕሎ ፍርሒ ናጻ ክትወጽእ፣ ካብ ትምህርተ ክርስቶስ ክሳብ መርኸቢ ብዙኃን፣ ካብ ፖሊቲካ ክሳብ ባህሊ ኣትሒዚካ ኩለ መዳያዊ ሕንጸት ብምርግጋጽ እቲ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእትን ምዝመዛን ንምብዳህን ዓለማዊ ምትእሥሳር ዘኸትሎ ዘሎ ሓደጋ ንምክልኻልን ዝሓቀነ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከምዘመልከት ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶም ገሊጾም። ቀጺሎም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣልዒሎም ክዝትዩ፦ ሃገራት ምዕራብ ንስደተይናታት ዝምልከት ብምጽዳቕ ዝኽተልኦ መምርሒ ነቲ ስደተይና ኅብረተሰብ ዝንጽልን ዘዕንውን ዳርጋ ካልእ ዓይነት ዓሌታውነት ዘለዓዕል ከምዝመስል ሓቢሮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ንስድራ ቤት ዝጸልዉን ንሓደጋ ዘቃልዑን ንድፈ ሓሳባትን ሓድሽ ዓለማዊ ምትእስሳር መልክዕ ዘለዎም ዝግለጹ ጾታዊ ስነ ምግባርን፣ ናይ ስነ ወሊድ ሕክምናን ሓደስቲ ዝተበጽሑ ናይ ስነ ጂን ምርምርን ነቲ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይንትን ሓደ ዝገብር ሚስጢረ ተክሊል ዝትክእ ከም ኣማራጺ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ዘተኣታትዉ ባህልታት ከምዝኾኑን ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ነዚ ክትብድህ ዝተጸወዔት ከምዝኾነትን፣ ነተን ካብ መዳያት ባህሊ ተነጺለን ዝነብራ ደቀ ንስትዮ ቆላሕታ ክትገብርን፣ ነቲ ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ልዕልኤን ዝወርድ ምዝመዛን ስቓይን ቤተ ክርስትያን ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ከም ምዃና መጠን ድማ ክትቃወሞን ነዘን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተነፊግወን ዝነብራ ኣፍሪቃውያን ደቀ ንስትዮ ክትሓልን፣’ ኣብ ኅብረተሰብን ቤተ ክርስትይንን ንጡፋት ተዋሰእቲ ክኾና ዕድል ክፍጠረለን ከምዘለዎ፣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርኮስን ኣመልኪቶም።

ንጉዳይ ሕጻናት ብዝምልከት ድማ እቶም ኣብ ኣፍሪቃ እዚዮም ንዝተፈላለዩ ሓደጋ ዝተቓልዑ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣፍሪቃ፣ ዝወርዶም ምዝመዛን ሓደጋ ወተሃደርነትን ኣብ ሥራሕ ምውፋርን ክውገድን፣ ኣቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዴሞክራሲያዊ ከይዲ ዝቐውሙ መንግግሥታት ንምዕላው ዝግበሩ ፈተነታት ክእለዩን፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቶም ብኃይልን ብከይዲ ዕልዋ መንግሥቲ ሥልጥን ዝጭብጡ መንግሥታት ከይጽወሩን፣ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣብ ኅብረት ኣፍሪቃ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ተግባር ዝሰማማዕን ሓድነት ዘለዎን ሓዋርያዊ ልኡኽ ክህልዋ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡን ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ገሊጾም።

ሕማም ኤይድስ፣ ምስፍሕፋሕ ኣጽዋር ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ድኻታትን ብዝምልከቱ ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት እውን ከምዝተዘራርረቡን፣ ነዞም ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ሽግራት ንምብዳህ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ከምእተጸወዔትን፣ ሕሙማን ኣፍሪቃ ከምቶም ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርከቡ ሕሙማን መሰል ክንክን ጥዕና ክኽበረሎምን ብምትሕስሳብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሸመተ ኣጽዋር ውግዕ ደው ክብልን፣ ኅብረ ኢንዱስትሪታት ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ንግጭት ዘለዓዕሉ ናይ ምዝመዛ ተግባራተን ደው ከብላን፣ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኤይ ውጥረት ንምውጋድ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ክተባባዕ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራብ፣ ፍትሒ ግልጸት ኣምልኽ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ሽቶኡ ክፍሊት ካሕሳ ዘይኮነስ ጌጋኻ ምእማንን ይቕረ ምብህሃልን ምዃኑ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘመልከተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ገሊጾም።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተተንተኑ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሉ ሕቶታት መሠረት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብጉጅለ ተመዲቦም ብዘካይድዎ ምይይጥ፣ ናይዚ ሲኖዶስ ናይ ሓባር ሰነድ መሥመር ከተሕዙ ምዃኖም ብምሕባር ዝሃብዎ መገለጺ ዛዘሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.