2009-10-14 17:39:51

ቃል ጳጳስ ካቶሊካዊ መንበረኤጳርቅና አሥመራ አብ ሲኖዶስ ፡

 


ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና አሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ንሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ዘቅረብዎ ዲስኩር ጽማቝ፤

ሐቀኛታት ክርስትያን ሐቀኛታት አፍሪቃውያን ስድራ ፡ አብ አፍሪቃ ክህነጽ ዘለዎ ጽቡቅ አርአያ ስድራ ምኻኑ ፡ ናይ አመሰአ ናይ ምስራቅ አፍሪቃውያን ጳጳሳት ሐፈሻዊ ጉብኤ ዘሕለፎ ውሳኔ ጠቂሶም ፡ ስድራ አብ ሕብረተሰብ እት ዝንአሰ ቃጽዖ ከይኑ ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን መተካእታ ዘይብሉ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኾነ ነቲ አፍሪቃዊ ጳጳሳዊ ሲኖዶስ ገሊጾምሉ ።

ሲኖዶስ አፍሪቃ ምስቲ አብ ዲያስፖራ ዝርከብ ካቶሊካዊ ህዝቢ አፍሪቃ ጥቡቅ ርክብ ብምግባር አብ ወጻኢ ሀገራት ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ሐዋርያዊ ጉስነት ክረኽቡ መምስ ሀገሮም ጳጳሳት ሰበኻ ርክብ ክገብሩ ከም ዝግባእ ዝጠቀሱ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ጳጳስ ኤጳርቅና አሥመራ ምስ አሐት ቤተክርስትያናት ኤውሮጳ አመሪካ አውስትራልያ ብምትሕብባር ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አፍሪቃ ባእልኦም ክትገብር ነቲ ሲኖዶስ አተሐሳሲቦም ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አፍሪቃ ሰብአውን መንፈሳውን ፡ ንወጻኢ ሀገራት ሰደድ ብምግባር ህልውንአ ከተረጋግጽ አብ ዘለዉ አልዮም አፍሪቃውያን ፡ ደቃ ክትሐቁፍ ሰብ በምግቢ ጥራሕ ክነብር ከም ዘይክአል ፡ ብምርዳእ መንፈሳዊን ሰብእዊን ፍቅራውን ሀብታ ክትዕቅብ ከም ዝግባእ ክአ አመልኪቶም ።4.Instrumentum laboris መርኃ ግብር ካብ ቁጽሪ 54 ክሳዕ 126 ዘሎ ሐረግ ጠቂሶም

ክአ ፡ ህንጸተ ሚኒስትሪ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን አዝዩ አድላዪ ከም ዝኾነን ፡ አብ ዲያስፖራ ማለት አብ ወጻኢ ዝርከቡ አፍሪቃውያን እንድሕሪ ምስ ቤትክርስትያናቶም ተሐባቢሮም ቤተክርስትያን ክአ አብ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን እትገብሮ አገልግሎት ብዝበለጸ አድማዒ ክኸውን ይኽእል ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን አቡናት ካህናት ተመሀርቲ ዘርአ ክህነት መነኮሳን መነኲስያት መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ፡ምእመናን አብ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ክአምኑ ከም ዘለዎም አመልኪቶም ክአ እዚ እንተዘይኮይኑ ፡ ኩሉ ዝግበር ፍረ ክህልዎ ከም ዘይክእል ቤተክርስትያን መራሒት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ከም ዝኾነት ብግብሪ ክተርኢ ከም ዘለዋ ክአ አጽኒዖም አተሐሳሲቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.