2009-10-13 11:08:31

፩ ዘጽጌ 2002 ዓ.ም. (11.10.2009) መዝሙር፡ ትዌድሶ መርዓት. . .


ንባባት፡ ኤፌ 5፡21~ፍ ራእ ፡21፡31~ፍ ግ.ሓ. 21፡31~ፍ ዮ.ሓ. 3፡25~

ሒዝናዮ ዘሎና ዘመነ መጸው 2ይ ክፍሊ ዓመት ኮይኑ ካብ 26 መስከረም ክሳብ 25 ያሕሣሥ ዘሎ እዩ። አብኡ 3ተ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡ ዘጽጌ፥ ዘአስተምህሮ፥ ዘስብከት ተባሂሎም ይፍለጡ።

፩ ~ ዘጽጌ ካብ 26 ምስከረም ክሳብ 6 ኅዳር ዘሎ ግዜ ዝሓዘ እዩ። 6ተ ሰናብት ዝሓዘ እዩ። አብ መዝምሩ ነቲ አብ መኀልያ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ . . . . መርዓት ትወድሶ” እናበለ ምሕረት አምላኽ ንደቂ ሰብ ብሰለስተ መገዲ ይገልጾ፥ ብሥነ ፍጥረት፥ ብምጽአት ክርስቶስ፥ ብዕለተ ሰንበት ዝፈጸሞ ናይ ምሕረት ሥራሕ።

ዘመነ ጽጌ ንማርያም ዝተዋህበ ፍሉይ ግዜ እዩ። ማርያም አብ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ዓቢ ተራ ተጻዊታ። አምላኽ ንጉዕዞ ድሕነት ብማርያም ክኸውን ደልይዎ፥ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብአ ተወሊዱ። አብ ኩሉ ጎዕዞ ተልእኮኡ አብቲ ቀንዲ ብወንጌላውያን ተጠቒሳ ንረኽባ፥ አብ ምጅማር ስብከቱ ብናታ ልመና ንማይ ናብ ወይኒ ለዊጥዎ፥ ሕይወቱ አብ መስቀል ምእንታና ክስውዕ እንከሎ ምስኡ ነራ፥ ንመስዋዕቲ ወዳ ባዕላ አዕሪጋቶ፥ ሓውርያት መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም እንከሎ አብ ማእከሎም ነራ፥ ቤተክርስትያን ምስ ማርያም ጀሚራ፥ ኩሉ እምነትና ምስ ማርያም ርክብ አልኦ። እምነት ክርስትና ብዘይ ማርያም ዘኽታም እዩ።

1። ኩሉ አብ ማርያም ዘሎና እምነት አብቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚእመን ዝተመስረተ እዩ። ብዛዐባ ማርያም እንአምኖ ኸኣ ነቲ አብ ክርስቶስ ዘሎ እምነት ዘብርህ እዩ። (ሓዲስ ት/ክ 487)።

ናይ ማርያም ቅድመ ሕርየት።


ሎሚ እዋናት ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ አብ ማርያም ዘሎና ርድኢትን አምነትን እንገልጸሉ ግዜ እዩ። ምእማን ጥራሕ ዘይኮነ አሰራ ተኸቲልና ወረስት ሰማይ ክንከውን ዝዕድመና እዋን እዩ። ብፍሉይ ክንሓስበሉ ዝሕግዘና ነገራት እንተሎ፡

    ምትሕብባር ማርያም አብ ትስብእቲ ኢየሱስ፥ ኢየሱስ ብማርያም መጺኡና፥ ባሕሪ ሰብ ካብአ ወሲድዎ። ኩሉ ናይ ሥጋ ዘበለ ካብአ ወሲድዎ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ኸአ ነቲ ብአምላኽ ዝቐረበላ ሕቶ ብመልአኹ እሺ ብምባላ እዩ። ንሳ ከም አቕሓ እይኮነትነ ኮይና ምሉእ ነጻነታ ተጠቒማትሉ። አብ ሕይወታ ንአምላኽ ድላዩ ክገብር ሕራይ ኢላቶ።

    ፍሉይ ርክብ ማርያም ምስ ኢየሱስ፥ ማርያም አብ ስብከተ ወንጌል ምስ ወዳ ኩሉ ግዜ ነራ። ስብከተን ተአምራታቱን ምስአ ጀሚርዎ ምስአ ኸአ ወዲእዎ። ሓደራ እንናበለ ኸአ ንአና ሕድሪ ሂብዋ ካብኡ ንድሓር አደ ቤተክርስትያን ተባሂላ። ሎሚ እውን ምስወዳ ስለ ዘላ ምእንታና ትልምን። ናይ ነፍስወከፍና ዝንጋዔ ንማርያም ይግህያ። ወደይ ዘብለኩም ግበሩ ትብለና።

    ቤተክርስትያን አብ ትሕቲ ጽላል ማርያም ተጀሚራ ኪሉ ታሪኻ ኸአ ምስ ማርያም ዝተተሓሓዘ እዩ። ንሳ አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ዝረኸበት ስለ ዝኾነት ምእናታና ትልምን ተስምዕ እያ ስለዚ አምላኽ ብአአ ክንቀርቦ ድላዩ እዩ።

    ታሪኽ ክርስትና ታሪኽ ማርያም እዩ። መን እያ ማርያም ክንብል እንተኾና መንእዩ ኢየሱስ ክንብል ይግባእ። ኢየሱስ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ፍጹም ሰብ ፍጹም አምላኽ እዩ። አበው ትስብእቲ ክርስቶስ ክገልጹ እንታይነት ማርያም ይገልጹ። ንሳ ሓጢአት ዘይብላ፥ ፍቓዳ ምስ ፍቓድ አምላኽ እተዋሃህድ፥ ፍሉይ ሕርየት አምላኽ ዘልአ ፍልይቲ ፍጥረት እናበሉ ዕብየታን ተርአ አብ ጉዳይ ድሕነት ነፍስወከፍና ይገልጹ። ክርስትናና ምስ ማርያም ዝተተሓሓዘ እዩ።


ብሳላ ማርያም ፍጡር ከቢሩ፥ ባሕርይና አብ ባሕርይ አምላኽ አትዩ። ኢየሱስ ካብአ ባሕርይና ምስ ወሰደ ንሕና ሓደስቲ ፍጥረት ገሩና። ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይና። ዓለት ሰብ ምስ አምላኽ ዘልኦ ርክብ ብዝልዓለ መንገዲ ተሓዲሱ። ህንጻ እግዚአብሔር ሕሩያት ፍጥረት አምላኽ ኮና ደቂ ጸልማት ዝነበርና ውሉድ ብርሃን ኮና።

እዋናት ዘመነ ጽጌ ነታ ብሳላ ማርያም ዝተሓደሰት ርክብና ሎሚ እውን ተሓድሶ ማለት አብ ነነድሕድና ዘሎና ርክብ፥ አብ ሓዳር፥ አብ ሥራሕ፥ አብ ክህነት፥ አብ ኩሉ ሕይወትና ክንቅየር። መገሻ ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ሓባሪ መራሒ የድልዮ ሎሚ ሓባሪትና መምህርና፥ አደና። ጓሳና ንማርያም ገርና ጉዕዞ ሕይወትና መልክዑ ነልብሶ። ተልእኮ ማርያም አምላኽን ሰብን ምትዕራቕ እዩ። መንጎኛ የድልየና አሎ። መንጎኛነት ናአና እምበር ንአምላኽ አይኮነነ። ምኽንያቱ ንሕና ድኹማት ኢና። ዝተሓደሰ ሓይልን ጸጋን የድልየና። ማርያም እምብአር እግዚአብሔር ዝሓረያ ዓባይ መንጎኛ እያ። እቲ ብማርያም አቢሉ አብ መንጎና ዝሓደረ ክርስቶስ ሎሚ አብ ሰማይ ብማርያም ክንቀርቦ እንከሎና ፍሉይ ትርጉም አልኦ።

ሰባት ክተስምዖም በዲኦም ክትልምኖም ዝበለጸ እዩ ምኽንያት ርክብ ወላዲትን ውሉድን ፍሉይ እዩ ማለት ደመን ደምካ ዓጽመን ዓጽምኻ ስለ ዝኾነ ዝለመነትካ ክትአብይ ጽንኩር እዩ። ስለዚ ማርያም ንወዳ ክትልምኖ እንከላ ከይሰምዓ ክተርፍ ጽንኩር እዩ። እምብአር ብማርያም አቢልና ንለምኖ ክሰምዓና እዩ።

አባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.