2009-10-13 14:08:12

ጸብጻብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ

 


እዚ ኣብዚ ቅዱስ ኣቦና ዝሳተፍሉ ዘለዎ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ትማሊ መበል ዓሠረተው ሓደ ዋዕላኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ድምጺ ዘይብሎም ዕልዋ መንግሥታትን ኣድላይነት ቅኑዕን RealAudioMP3 ሕጋዊ መግንሥታዊ ምሕደራን ጉዳይ ስድተይናታትን ምስ ባህላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ርክባትን ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን፣ ኣብ መደምደምታ ናይ ሞት ፍርዲ ጠሪሹ ክሕከኽ ኵላዊ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ካብ ሲኖዶሶ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ናይ ሞት ፍርዲ ንኽውገድ ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ዘየማትእ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኡሡራት ዝፍጸም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምጥሓስ ዝወርድ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ ናይ ሞት ሓደጋን፣ ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም በስገዳድ ምውፋርን ኮኒኖምን ምእንቲ’ዚ ዕርቂ ንምርግጋጽ እቶም ጸረ ሰብኣውያን ተግባራትን ንኣኡ ዝኣመሰሉ ዓመጻት ንምውጋድ ግድን ምዃኑን፣ ውግኣት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም ገበን ፈጺሙ ምኽንያታዊ ኣይገብሮን ኢዩ ከምዝበሉ ካብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈልና ዜና የረጋገጽ።

ካብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፖለቲካውን ማኅበራውን ተመኩሮ ብምብጋስ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ብናይ ብዙሃን ፖለቲካ ሰልፍታት ማለት በተን ናይ ብዙሕ ሕዝቢ ደገፍ ዘለወን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ኢድ ዝፍጸሙ ድምጺ ዘይብሎም ዕልዋ መንግሥታት ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብምትንታን ኮኒኖም፣ ኣብ ፈለማ ናይ ብዙሕ ሕዝቢ ደገፍ ዝነበሮም ኮይኖም ኵሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ምስ ኣእተዉ ነቲ ዝድግፎም ዝነበረ ሕዝቢ ድምጺ ጸማም እዝኒ ብምሃብን እቲ ፈለማ ዝተበገስሉ ዕላማ ብምኽሓድ ምስ ሓገራውነት ገዛእ ርእሶም ብምትኽኻል ብዲሞክራሲያዊ እማራጺ ዝመጽእ ካልእ ሥልጣን ከምዘይደልዩን ኮይኖም ይርከቡ። ምእንቲ’ዚ ኣፍሪቃ ሕጹጽ ኣብ ዝዕግብ ፍትሒ ዝቖመ ንቅኑዕን ሕጋዊ መግንሥታዊ ምሕደራ ዝኣመተ ፖሊቲካዊ ኅዳሴ ከምዘድልይን እዚ ዓይነት ከይዲ ፖለቲካ’ዚ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ዘይኮነስ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ክትዛረብን ድምጻ ከተስምዕ እውን መሰል ኣለዋ ኢሎም፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ንሓለዋን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ደቂ እግዚኣብሔር እትፍጽሞ ኣገልግሎት ኢዩ እምበር እደ ኣታውነት ማለት ከምዘይኮነ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብምሕባር፣ ሓለውቲ ነፍሳት ንናይ ኤኮኖምን ናይ ፖለቲካን ሊቃውንትን ናይ መግንሥቲ ኣካላት ቦታ ንምቁማት ዘይኮነስ ምእመናን ሓቀይና ክርስትያናዊ ሕይወት ክነብሩ መታን ዘገልግሉን ዝመርሑን ኢዮም ከምዝበሉ ካብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋገጽ።

ብምቕጻል እቲ ንልዕሊ 40 ሚሊዮን ሕዝቢ ኣፍሪቃ ዝምልከት ጉዳይ ስደት ብሱቕታ ክሕለፍ ከምዘይብሉን፣ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ስደተይናታት ኣፍሪቃ ዘተኮረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከረጋገጹ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ብምትሕስሳበ፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ እተን ባህላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ኣብዛ ክፍሊ ዓለም እዚኣ ናብ ዕርቂ ዝወስድ መገዲ ዝሕብራ ከምዝኾና ብቐረባ ከምእተፈልጦን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣመልኪቶም፣ ኣብ መፈጸምታ ናይ ትማሊ ኣኼባ ናይ ኣፍሪቃ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን ካብ ናይ ምዕራብ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን ኤኮኖሚ ጽግዕተኛ ምዃን ተላቒቐን ኣብ መንጎ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ደገፍን ምትሕብባርን ምርግጋጽ ከምዘድልን፣ ነዚ መካየዲ ድማ ሓደ ናይ ገንዘብ ማዕከን ክቐውምን ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ዕርቅን ንምንቕቓሕ ኣብ ናይ ኣፍሪካ መናብርተ ጥበብ ነዚ ጉዳይ ብፍሉይ ዘጽንዕን ብዛዕባኡ ሕንጸት ዘቕርብ ክፍሊ ትምህርቲ ክህሉ እውን ሓሳብ ከምዝቐረበን፣ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ዝድግፍ ኣምልኾ መለኮታዊ ምሕረት ምትብባዕን ምንቕቓሕን ከምዝግባእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡ ተረጋጊጹ።

ናይ ቤተ ክርስትያን ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ብምንቕቃሕን ንመንሰይ ወለዶ ኣብዚ ጉዳይ ብምሕናጽ ናይ ሰላም መሣራሒ ክኸውን ብምድጋፍ፣ በዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኤይ ናይ ጥንቆላን ናይ ጉጅላዊ ሃይማኖታት መሠረት ንዝኽሰቱ ማኅብራውን ሰብኣውን ምንጻል ፈጺሙ ንኽውገድን፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ዕርቂ መሣሪሒ ኮይና ኣድላይነት ዕርቂ ምንቕቃሕ ከምዝግባኣ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድረገታት ኣፍሪቃ፣ ደቀ ንስትዮን ክዋስኣን፣ ቤት ክርስትያን ጥራሕ ከም ኣደ ዝተረፈቶም ብጠንቂ ውግእን ግርጭትን ሕማምን ዘኽታማት ንዝኾኑ ቤተ ክርስትያን ዝበቅዕ ሓልዮትን ፍቕርን ከተርእዮም ከምዝግባእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣመልኪቶም፣ ናይ ኣፍሪቃ ናይ መጻኢ ዕድል ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ዘተኮረ ብቑዕ ሕንጸት ክወሃብን ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ፍሉዩ ጉባኤ ክቐውም ከምዘተሓሳሰቡ ተረጋጊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.