2009-10-08 14:22:25

ፍሉይ ልኡኻት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ሮማ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ብዝተገብረሎም ዕድመ ምብጻሕ ኣክይዶም።


ፍሉዩ ልኡኻት ካልኣይ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣፍሪቓ ኣብ ሮማ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ነቶም ልኡኻት ብፁዓን ጳጳሳት ዝመርሑ ናይ ካልኣይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ RealAudioMP3 ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ልኡኻት ብፁዓን ጳጳሳት ቅድሚ ምስ ከንቲባ ጃኒ ኣሌማኖ ምርኻቦም ኣብ ሕንጻ ምምሕዳር ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተክስትያን ቅድስቲ ማርያርም እራ ኮየሊ - መንበረ ታቦት ጸሎት ከምዘዕረጉ ተገሊጹ።

ቀጺሎም ምስ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ ርክብ ከምእተኻየደን ምምሕዳር ከተማ ሮማ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ፍልዩ መደብ ንኣፍሪቃ ከምዘዳለወን፣ እዚ ድማ ኣፍሪቓ ኣብ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም እትገብሮ ጉዕዞ ክትድገፍ ዘተባብዕ ምኻኑ ብፁዕ ኣቡነ ኤቶሮቪች ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።

ከተማ ሮማ ምስቶም ንስደተይናታትን ተመዛበልንት ደገፍ ዘቕርባ ዝተፈላለዩ ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ከምዝተሓባበር እውን ከንቲባ ኣለማኖ ከምዝገለጹን፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሮማ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ብዛዕባ ንኸካይዶ ወሲንዎ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላን ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልቲ ናይ ፖሊቲካ ዑቕባ ሓተትን ብዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ምይይጥ ከምእተኻየደ እውን ብፁዕ ኣቡነ ኤቶሮቪች ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.