2009-10-08 14:19:08

ካልኣይ ወግዓዊ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳታ ኣፍሪቃ፦ ግፍዒ ዓመጽን ጸረ ክርስትያንን ስደተይናታትን።


ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳታ ኣፍሪቃ ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ እቲ ዘካየዶ ዋዕላ ቀጺሉ ብነኣሽቱ ጉጅለ በምክፍፋል ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፈጽም ዓመጽን ግፍዕን ጉዳይ ስደተይናታትን ኣማእኪሉ ዘተ ከምዘካየደ ካብ ናይ ቫቲካን ዝተዘርግሔ መገለጺ የረጋገጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ትማሊ ንጎሆ ብፁ RealAudioMP3 ዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሠረት ናብ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ካምፒዶሊዮ ከምዝኸዱ መግለጺ ሲኖዶስ የመልክት።

እዚ መደብ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽን ጉዳይ ስደተያታትን ኣማእኪሊ ዝተኻየደ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ዝፍጸም ጸረ ክርስትያን ዓመጽን

ዝምልከት ብዝቐረበ ቃል ምስክርነት ከምእተጀመረ ተፈሊጡ። ኣብታ ሃገር እታ እንኮ ደገፍ ናይቲ ዝተዋርደን ዝተረግጸን ዝረዓደን ሕዝቢ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ድምጻ ከይተስምዕ ብዙሕ በደል ከምዝወርዳ ተሓቢሩ። ብምቕጻል ዝረኣዩ ዘለዉ ምስፍሕፋሕ ናይ ሸራ ሃይማኖታትን እቲ ዓቢን ክብዳሕ ዘለዎ ምዃኑ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡን ነዚ ጉዳይ እዚ ድማ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ጌርካ ብብቕዓት ክትገጥሞን ክትስዕሮም ከምዝግባእ ምይይጥ ምስ ተገብረ፣ ብዛዕባ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ምትብባዕን ናይ ኣፍሪቃ ባህልታት ኣገላልጻኡ ፍሉይ ርድኢት ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ዝተኻየድ ዘተ የረጋገጽ። ምእንቲ’ዚ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ፣ ካብ ሕንጸት ዝነቅል ናይ ምልዋጥ ስነ ምህዳር ከምዘድሊ ብምሉእ ድምጺ ከምዘመልከቱ ተፈሊጡ።

ኣፍሪቃ ጸዓት ነዳዲ ዝምዝመዘላ፣ ሓምላዊ ሓብታ ዝበርሰላ ሓደገይ ከሚካላዊ ናይ ወጻኢ ጓሓፍ ዝድርበየሉላ ኮይና ከምዘላን እዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዓመጽ ክውገድን ብቕዓት ዘለዎም ካህናት ክህነጹላን ክምኡ ድማ ካብ መንጐ ባህልታት ዘተ ናብ ናይ ዘተ ባህሊ ንምንስግጋር ዘብቕዑ ብግብዕ ዝተሓንጹን ዘተሰናደዉን ካህናት ከምዘድልይዎ ተመልኪቱ ኣሎ። ብምቕጻል ዓለማውያን ምእመናን ኣብ መንጎ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን ስብከተ ወንጌል ዝፍጽሙ ክኾኑ ምትብባዕ ከምዝግባእን፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብዘይ ፍትሒ ሰላም የሎን፣ ብዘይ ምሕረት ድማ ፍትሒ የሎን፣ ዝበልዎዎ ብምዝካር በዚ ኣመለኻክታ ዝተሰነየ ድማ ድጋፍ ንዓለም ሓቅፍ ቤት ምርዲ ምቕራብ ከምዘድልን ቤተ ክርስታያን ኣፍሪቓ ከምእትተሓባበርን፣ ኣብ ኅብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ተዓዛቢ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተዓዛቢ ክህሉዉ ከምዝሓተቱ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣፍሪቃ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ፖሊቲካ ዑቕባ ሓተትን ዝውሕዙላ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝግመቱ ንምዝመዛን ውርደትን ንጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ሓደጋ ዝተቓልዑላ ሰባት ዝምልከት ከምዝኾነን፣ ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዓሚቶም ናብ ሊቢያ ዝውሕዙ ከምዝኾኑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዘይሕጋውያን ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ገበነይናታት መጻወዲያ ከምዝኣተዉን፣ ኣብ መሰልን ፍቓድን ዝሓኵ ተግባራት ወዲቖም ፈቖዶ ቤት ማእሰርቲ ከርተት ክብሉን፣ ዘይሕጋውያን ብምዃኖም ድማ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰልን መሰል ሕጋዊ ጥብቅና ተነፊግዎም ከምዝርከቡን እቲ ጉባኤ ሓቢሩ፣ እቲ ንኣፍሪቃውያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘሰጋግሩ ጉጅለ ገበነይናታት ወጽመድ ንኽወድቁ ዝርኽዎም መሠረታውያን ምኽንያታትን ነቲ ንሞት ጎዕዞ ሓደጋ ዘቃልዖም ጉዳይ ክጽናዕን ቅኑዕ መፍቲሒ ክርከቦን ምኽንያቱ ድማ ንዓለም ብትኽክል ክቃላሕ እምበር ከምቲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቁጽሪ ገይሮም ጥራሕ ምቕራብ ዘይኮነስ ሕይወት ኣፍሪቃውን እውን ቅዱስን ክቡር ዋጋ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ኣብቲ ናይ ዘተ ኣኼባ ተገሊጹ።

ብዛዕባ ስደተይናታት ኣፍሪቃውያን ብዝምልከት ኣብ ካልኣይ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ሊቢያ ናይ ታቡዳ ሊቀ ፓፓስን ኣብ ትሪፖሊ ሓዋርያዊ ወኪል ብጹዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኢኖቸንዞ ማርቲነሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሊቢያ ናይ ዝውሕዙ ስደተይንታት ቀጥተይና መሰካኽር ኢና ኢሎም፣ ነዞም ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ንምስጓግ ዝግበር ውሳኔ ኣመልኪተ ብዙሕ ክብል ኣይደልን፣ እንተኾነ ግን ስደተይናታት ከይንጸጉን ክይግፍዑን ከምዝሓቱን፣ ንቶን ስደተይናታት ኣብ ሊቢያ ብካቶሊክ ቤተክርስትያን ሓገዝን ደገፍን ንኽቐርበሎም ከምዝጽዕሩን ገሊጾም፣ ቁሊሕ ዘይምባሎም ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን፣ ጸረ ናይ ሰብኣዊ ሥልጣኔን ጸረ ክርስትናን እውን ኢዩ ኢሎም።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እቶም ስደተይናታት ኣብ ዝእከብሉ መዕቆቢ እናኸደት መንፈሳውን ሰብኣውን ሓገዝ ከምእተቕርብን ብዘይ ኣፋላላይ ናይ ሰብኣውን ንዋታውን ኣብ ሊቢያ ብዝርከባ ማኅበራት ደናግል ናይ ሕክምና ደገፍ እውን ከምእተቕርብ ገሊጾም፣ ምድረ በዳን ኣስሓይታን ዘሳቐዮምን፣ ሕጻናት እውን ዝርከብዎም ምዃኖም ሓቢሮ፣ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ፍሉዩ ቅላሕታ ከምዝግበር እውን ሓቢሮም፣ ብሕልፊ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ምዃኖም ስለ ዝሕብሩ፣ ኣብ ምዕራብ ሓገራት ዕቕባ ክረኽቡ ኢዩም ዝጽዕሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኵሎም መሰል ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዘለዎም ድዮም ዝብል ሕቶ ንገዛእ ራሱ ተፈሊዩ ዝርኤይ ዓቢይ ጉዳይ ኢዩ፣ እዚ ንቤተ ክርስትያን ዝምልከት ኣይኮነን፣ ቤተ ክርስትያን እቲ ንደቂ ሰባት ዘድሊ መሠረታዊ ደገፍ ክረኽቡ ከምዘለዎም መሰልን ፍቃድን ክረጋገጸሎምን ኢያ እትኣምን፣ ስለዚህ በዚ መሠረት ድማ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሊቢያ ነዞም ስደተይናታት ደገፋ ተቕርብ ኢሎም።

ናብቲ ኣብ ሊቢያ ዝርከብ ቤተ ጽሕፈት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጨንፈር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ምስ ዝምልከት ላዕለዋይ ድርገት ክራኸቡን ጉዳዮም ክርአየሎም ደገፍ ከምእትገብር እውን ኣመልኪቶም፣ ዘይ ሕጋውያን ስለ ዝበሓሉ ድማ ናይ’ዚ ማኅበር መንነት ወረቐት ክሕዙ ትጽዕር። ቤተ ክርስታይን ካቶሊክ እዞም ስደተይናታት ካብ ጨንፈር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ዝወሃቦም ናይ መንነት ወረቐት ተፈላጥነት ክህልዎ ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ሓደራኣ ከምእተስምዕ ገልጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.