2009-10-06 18:48:02

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሥርዓት ካልአይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብጸሎት ከፊቶም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ አበው ሲኖዶስ ብኁባኢረ ብዘዕረግዎ ዕጁብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ስብከትን ንካልአይ ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብወግዒ ከምዝኸፈቱ እንክዝከር፣ ትማሊ ሰኑይ እንደገና ነቲ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ጳጳሳት አፍሪቃ ብጸሎትን አስተንትኖን መሪሖም ከምዝጀመርዎ ተመልኪቱ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣፍሪቃዊ ሲኖዶስ መደብ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ሥራሓት ቅድሚ ምጅማር ኣብ ኣመርሕዎ አስተንትኖ ንአህጉር አፍሪቃ እዋን ሃዲሽ ጰንጠቆስጤ ኪኸውን ጸሎት ገይሮም።

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንአበው ሲኖዶስ ናይ ጸሎትን አስተንትኖን ሓሳባት ቅድሚ ምሃቦም ተሳተፍቲ ጉብኤ ኣብቲ ውሽጢ ቫቲካን ዝርከብ አደራሽ ስኖዶስ ተረኺቦም “ነዐ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ዝጅምር ጸሎት ብዜማ አዕሪጎም ጸሎተ አስተንትኖ ክጅምሩ ከለው፣ “ኣብዚ እዋን እዚ ንቤተ ክርስትይንን ንዓለምን ክንገብሮ ዝግብኤና ኩሉ ክንፍጽም ከምዘይንኽእል ብምእማን ጸሎትና ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብምልማን ንሲኖዶስና ጀሚርና፣ እቲ ደሓር ክነተግብሮ ዘሎና ቅኑዕ ነገር ክፍለጥን ክውሰንን ዝከአል ብሕገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ” ብምባል አዘኻኸሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.