2009-10-03 14:03:27

ኬንያ፣ ውጥረትን ዓመጽን ክውገድ


ኣብ ኬንያ ዝርኤ ዘሎ ዓመጽን ሁከትን መንግሥቲ ክቆጻጸሮን ከወግዶን ብዙሕ ጻዕሪታት የካይድ ከምዘየለ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ኦ ከሃሌ ኵሉ ዝኾንካ እግዚኣብሔር ሓድሽ ልቢ ዓድለና” ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽእዎ ውሳኔ RealAudioMP3 እንከመልክት፣ ኣብ ኅብረተሰብ ኬንያ ሽግርን ሁከትን ዘለዓዕሉ ዘለዉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክረኽቡን እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝርኤ ዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ዓመጽ ይድርኽ ከምዘሎን እዚ ድማ ኣብ ሳምቡሩ ዝተራየ ዓሌታዊ ግጭት ዝምስኮር ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ኣብ ዝውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ ከምዝ ዓይነት ምስሕሓባት ከይራኣይ መንግሥቲ ብሔራዊ ሓቆፍ መፍትሒ ክረኽበሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ብጥሜትን ብስእነት ክንክን ጥዕናን ዝሳቐ ሕዝቢ ደገፍ ክረክብን እቲ እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ወናንነት ነኣሽቱ ኣጽዋር ሰላምን ጸጥታን ዝሕውኽ ዘሎ ጉዳይ እውን ክውገድ ከምዘተሓሳሰብ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ኬንያ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርቲ ዓሌታዊ ግጭት ተወጊዱ ማኅብራዊ ሰላም ክረጋገጽ ዝድግፍን ዘተባብዕን ናይ ሕንጸት መደብ ከምዝቐርብ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳስን ናይ ንጎንግ ሰበኻ ሓዋርያዊ ኣመሓዳርን ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጆን ንጁዌ ፊርማ ዝተነበረሉ መገልጺ ብምምልካት፣ ናይ ሕዝቢ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽን ብሓፈሻኡ መንግሥቲ መሠረታዊ ድላይ ሕዝቢ ኬንያ ንምርግጋጽ ዘብቕዕ መደብ ክሕንጽጽን ኣብዚ ጉዳይ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማኅበራውን ሰብኣውን ዓቅሙ ከዋድድ ብምትሕስሳብ ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን ድማ ክረጋገጽ ሓደራ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.